ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 1/6 ገጽ 8
  • ነቲ ፈቃር ኣምላኽ ምፍላጡ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ፈቃር ኣምላኽ ምፍላጡ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውሽጣዊ ሰላም ኣበይ ክትረክብ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • የሆዋ ነቲ ሚስዮናዊት ንክኸውን ዝነበረኒ ባህጊ ኣብዚሑ ባረኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ጽንዓት ሓጐስ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ውሽጣዊ ሰላም ክትረክብ ትኽእልዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 1/6 ገጽ 8

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ነቲ ፈቃር ኣምላኽ ምፍላጡ

ሓደ ኣንቶንዮ ዝስሙ ብራዚላዊ ገና ወዲ 16 ዓመት ከሎ ህይወት መሪርዎ ነበረ። ዋጋ ዘይብሉ ኰይኑ ስለ እተሰምዖ ሓሽሽ ናብ ምውሳድን ግዙእ ወልፊ ኣልኮል ናብ ምዃንን ኣምርሐ። ብተደጋጋሚ ድማ ርእሰ-ቕትለት ክፍጽም ሓሰበ። ኣብዚ እዋን እዚ ኢዩ ኸኣ እቲ ኣዲኡ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢላ ዝነገረቶ ትዝ ዝበሎ። (1 ዮሃንስ 4:8) እዚ ፈቃር ኣምላኽ እዚ ግን ኣበይ ነበረ፧

ኣንቶንዮ ወልፊ ዘትሕዝ ነገራት ካብ ምጥቃም ሓራ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ ካብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቀሺ ሓገዝ ሓተተ። ኣንቶንዮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንጡፍ እኳ እንተ ነበረ: ገና ግን ብዙሕ ሕቶታት ነበሮ። ንኣብነት: እተን “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዝብላ ናይ የሱስ ቃላት ምርዳእ ይኸብድኦ ነበራ። (ዮሃንስ 8:32) የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሓርነት ኢዩ ዝመባጻዕ ነይሩ፧ እታ ቤተ-ክርስትያን ንሕቶታቱ ዘዕግብ መልሲ ክትህቦ ኣይከኣለትን። ኣብ መወዳእታ: ኣንቶንዮ ንድሕሪት ተመሊሱ ነቲ ናይ ቀደም ወልፍታቱ እንደገና ጀመሮ። አረ እቲ ወልፉስ ገደዶ ድኣ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣቢሉ ይኸውን ማርያ: ሰበይቲ ኣንቶንዮ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ኣንቶንዮ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እኳ እንተ ዘይተቓወማ: ንእምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከም “ንረብሓ ኢምፐሪያሊዝም ኣመሪካ ዘገልግል ካብ ኣመሪካ ዝመጸ ሃይማኖት” ገይሩ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ኣይቅበሎን ኢዩ ነይሩ።

ማርያ ግን ተስፋ ከይቈረጸት ንኣንቶንዮ የገድሶ ይኸውን ኢዩ እትብሎ ኣርእስትታት ዘለዎ ቅዳሓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብ ገዛ ትገድፍ ነበረት። ኣንቶንዮ ምንባብ ይፈቱ ስለ ዝነበረ: ሰበይቱ ኣብ ዘይትህልወሉ ግዜ ብተደጋጋሚ ነቲ መጽሔታት የንብቦ ነበረ። ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታቱ መልስታት ረኸበሉ። “እቲ ሰበይተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዘርእዩኒ ዝነበሩ ፍቕርን ሕያውነትን እውን ከስተውዕለሉ ጀመርኩ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ።

ኣብ መፋርቕ 1992: ኣንቶንዮ እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ወሰነ። ይኹን እምበር: ሓሽሽ ምውሳድን ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይን ኣየቋረጸን። ሓደ ለይቲ ንሱን ዓርኩን ካብ ሓደ ኣብቲ ከተማ ዝርከብ ድኻታት ዝነብሩሉ ከባቢ ናብ ቤቶም ክኸዱ ከለዉ ኣባላት ፖሊስ ደው ኣበልዎም። እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣንቶንዮ ኮኬይን ሒዙ ምስ ረኸብዎ ክቕጥቅጥዎ ጀመሩ። ሓደ ካብቶም ፖሊስ ኣብ ጭቃ ደርበዮ እሞ ጠበንጃኡ ኣዐመረሉ። እቲ ካልኣዩ ፖሊስ ከኣ “ቅተሎ!” ኢሉ ጨደረ።

ኣንቶንዮ ኣብቲ ጭቃ በጥ ኢሉ ኸሎ ዘሕለፎ ህይወት ዘከረ። ኣብታ እዋን እቲኣ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመጸ ሰናይ ነገራት ስድራቤቱን የሆዋን ጥራይ ኢዮም ነይሮም። የሆዋ ምእንቲ ክሕግዞ ኣሕጽር ኣቢሉ ጸለየ። ብዘይንጹር ምኽንያት: እቶም ኣባላት ፖሊስ ገዲፎሞ ከዱ። ንሱ ድማ የሆዋ ዕቝባ ከም ዝገበረሉ ኣሚኑ ናብ ቤቱ ኸደ።

ኣንቶንዮ ብሓድሽ ድራኸ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ። ቀስ ብቐስ ንየሆዋ ንምሕጓስ ለውጥታት ገበረ። (ኤፌሶን 4:22-24) ገዛእ ርእሱ ናይ ምቍጽጻር ባህሪ ብምዅስኳስ ብሰንኪ ወልፊ ሓሽሽ ዝነበሮ ሽግር ክፈትሖ ጀመረ። እዚ ዅሉ እናገበረ ክነሱ ናይ ሕክምና ሓገዝ ኣድለዮ። ኣብ ናይ መሐደሲ ክሊኒክ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል ወሲኽካ ሓያሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ናይ ምንባብ ኣጋጣሚ ረኸበ። ድሕርዚ ነቲ ካብዚ መጻሕፍቲ እዚ እተማህሮ ነገር ነቶም ካልኦት ሕሙማት ኣካፈሎም።

ኣንቶንዮ ካብቲ ክሊኒክ ምስ ወጸ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ቀጸለ። ሎሚ: ኣንቶንዮ: ማርያ: ክልተ ደቁ: ከምኡውን ኣደ ኣንቶንዮ: ሕጕስትን ስምርትን ስድራቤት ኰይኖም ንየሆዋ ብሓባር የገልግልዎ ኣለዉ። ኣንቶንዮ ድማ “ሕጂ ሓቀኛ ትርጕም ናይተን ‘ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ’ ዝብላ ቃላት ተረዲኡኒ” በለ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ እናሰበኸ ከሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ