“ንቝምስናና ብኸመይ ከነነቓቕሖ ንኽእል፧”
እታ ፋሚይ ክኼቲዮን (ክርስትያን ስድራቤት) እትበሃል ናይ ፈረንሳ ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ ነዛ ሕቶ እዚኣ ሒዛ ምውጻኣ ንብዙሓት ኣየገረሞምን። እቲ ናይ ብሪጣንያ ካርዲናል ሂዩም እውን ከይተረፈ ንናይ ቤተ-ክርስትያን ሰበኻ “ደቂሱ ዘሎ ዓርሞሸሽ” ኢልዎ ኢዩ። ንኻልኦት ዝሰብካ ብጕጅለታት ዝቘማ ቆሞስ ክህልዋ ካብ ድቃስ ንምንቃሕ ዘኽእል ሓሳብ ኰይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ሓደ ኢጣልያዊ ቀሺ ነዚ ሓሳብ እዚ “ብሓደስቲ ሜላታት ብቐጥታ ምስባኽ” ኢልዎ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እቶም ጳጳስ ነዚ ተበግሶታት እዚ እኳ እንተ ኣተባብዑ: ኵሎም ሰባት ግን እምነትካ ንኻልኦት ምክፋል ኣድላዪ ኰይኑ ዝስምዖም ኣይኰኑን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ኣብ ሚላን ካህን ቆሞስ ኰይኑ ዘገልግል ፒጂ ፐሪኒ ዝበሃል ሰብ ናብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ገይሩ ነይሩ፣ ኣብኡ ሓንቲ ድንግል ከምዚ በለቶ:- “ኣብዚ 40 ዓመት ገይረ ኢየ: ባህሊ ኣፍሪቃ ምእንቲ ከየጥፍእ ኢለ ድማ ስም የሱስ ፈጺመ ኣይጥቀመሉን ኢየ።” እቲ ካህን ቆሞስ “ድሕሪ ደጊም ብዛዕባ የሱስ ኣይንዛረብን ኢና: ድሕሪ ደጊም ኣብ የሱስ ግደ የብልናን: ድሕሪ ደጊም ወንጌል ኣይንሰብኽን ኢና!” ብምባል ይድምድም። እንተዀነ ግን: ንብዙሓት ካልኦት ሰባት: ስብከት ኣገዳሲ ክፍሊ ህይወቶምን ብመንፈስ ንቑሓት ኰይኖም ከም ዝቕጽሉ ዝገብሮምን ኢዩ። ፒጂ ፐሪኒ ከምዚ ብምባል ይእመን:- “ኣብ ዕዳጋ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝዛረቡ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢዶም ዝሓዙ ክልተ ሰባት ምስ ዘጓንፉኻ ንገዛእ ርእስኻ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንሀለዉ: ኢኻ እትብል!”
ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ምምይያጥ የሐጕሶም ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማሕበረሰብካ እውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ከም ዘዳለዉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ: እዞም ቀናኣት ክርስትያናት እምነቶም ንኻልኦት ምእንቲ ከካፍሉ ንሓድሕዶም ይተባብዑ ኢዮም። እቲ ዝእከቡሉ ቦታታት (ኣደራሽ መንግስቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ምዉቕ ስምዒትን ምሕዝነትን ዝርኣየሉ ቦታ ኢዩ። ኣብ ሓደ ካብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ኣኼባ ብምስታፍ ንመንፈሳዊ ምብዕዛዝ ብኸመይ ከም እትቃለሶ ንምንታይ ዘይትምርምር፧