ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/12 ገጽ 3-4
  • ልደት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልደት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልደት ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም እውን ዝብዓል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ክርስትያናት፡ በዓል ልደት የብዕሉ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/12 ገጽ 3-4

ልደት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም

• ገለ ኽልተ ሚእቲ ዓመታት ይገብር ሓደ ውሩይ ኮርያዊ ምሁር ነታ ኣብ ቻይና እትርከብ ከተማ ፒኪን ይበጽሓ። ኣብ ናሕሲ ናይ ሓደ ካቴድራል ናብ ዝነበረ ናይ ቅብኣ ስእሊ ኣትኲሩ ይጥምት እሞ: ማርያም ነቲ ህጻን የሱስ ሓቚፋቶ ኸላ ይርኢ። ብዛዕባ እዚ ዘደንቕ ቅብኣ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:-

“ሓንቲ ንሓደ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኡ እተኸስአ ዝመስል ህጻን ዝሓቘፈት ጐርዞ ትርአ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሉዳ ዘለዋ ድንጋጽ ቅንዕ ክትብል ስለ ዘይትኽእል ኢዩ ዝመስል ክሳዳ ምስ ቈልዓጸት ኢያ። ኣብ ድሕሪኦም ርሕቕ ኢሎም ድማ ብዙሓት መናፍስትን ኣኽናፍ ዘለዎም ቈልዑን ክዝምብዩ ይርኣዩ። ንላዕሊ ገጸይ ኣትኲረ ምስ ጠመትክዎም: ሕጂዶ ወይስ ዳሕራይ ይወድቁኒ ዝብል ስምዒት ሓደረኒ። ካብ ምድናቕ እተላዕለ ድማ ንኽሕዞም ኢደይ ዘርጋሕኩ።”

እዚ ፍጻመ እዚ ዘጋጠመ ድሕሪ እቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝጀመረ ተሃድሶ ከምኡውን ድሕሪ እቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝነበረ ጽልሙት ዘመን ነዊሕ እዋን ጸኒሑ ኢዩ። ንመብዛሕትኦም ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ዝነብሩ ህዝብታት ግን ልክዕ ከምታ ናይ ቅብኣ ስእሊ ምስ ክርስትና እውን ሌላ ኣይነበሮምን። እዚ ዅነታት እዚ ግን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ተቐይሩ ዘሎ! ኣብ ቅነ ልደት: የሱስ ብህጻኑ ዘርኢ ስእልታት ኣብ ኵሉ ኢዩ ዝርአ። ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ስእልታት ክትርኢ ልሙድ ኢዩ: ብዙሕ ጐደናታት ድማ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዘሎ ጐደናታት ይመስል።

ልደት ከይኣተወ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ ብ25 ሕዳር 1998 ኣብ ዝነበረት ምሸት: እቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝርከብ ውሩይ ጐደና ሻንዘይሊዘይ በቲ ብልዕሊ 100,000 ኣምፑላት ዝደመቐ ተር ዝበለ 300 ኣእዋም ይውቅብ። ማዕረ ማዕረ እዚ ኸኣ ኣብ ኮርያ ኣብ ማእከል ከተማ ሴኡል ኣብ ዝርከብ ሓደ ጐደና ብሓደ ዓቢ ንግዳዊ መደበር ኣመና ገዚፍ ናይ ልደት ጽሕዲ ይስቀል እሞ: ነቲ ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝነበረ ጸልማት ለይቲ ቅድድ ኣቢሉ ከብርሆ ይጅምር። ድሕሪ ሓጺር እዋን ጐደናታት እታ ኸተማ ብናይ ልደት ስልማት የጊጽ።

ተሌቪዥንን ሬድዮን ንልደት ዝምልከት መደባት: ጋዜጣታት ድማ ምስኡ ዝተሓሓዝ ዓምድታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ የቕርባ። እቲ ሃዋህው ናይቲ በዓል ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገር ንመዛዘሚ ቅነ ናይታ ዓመት እቲኣ ሓንጐፋይ ኢሉ ንኽቕበሎ ክሸባሸብ ልዑል ስምዒት የሕድረሉ። እተን መብዛሕትአን ንሓያሎ በጻሕቲ ዘስደምማ ኣብ ሴኡል ዝርከባ ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ብስልማት ንኸጊጻ ግዜ ኣይወስደለንን ኢዩ። በዚ ኸምዚ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብቲ ኣብ ምውዳእ ወርሒ ሕዳር ዝውዕል በዓል ዕለተ ምስጋና እተኽብረሉ ቅነ ክትኣቱ ኸላ ኮርያን እተን ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ዝርከባ ካልኦት ሃገራትን ብመንፈስ በዓል ልደት ድሮ ተዋሒጠን ኢየን ዝጸንሓ።

መብዛሕትአን ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከም ክፍሊ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣይኰናን ዝፍለጣ። ንኣብነት: ካብ ህዝቢ ኮርያ 26.3 ሚእታዊት ጥራይ ኢዩ ክርስትያን ምዃኑ ዝዛረብ። ኣብ ሆንግ ኮንግ 7.9 ሚእታዊት: ኣብ ታይዋን 7.4 ሚእታዊት: ኣብ ጃፓን ከኣ 1.2 ሚእታዊት ጥራይ ኢዩ። ብግልጺ ክርአ ኸም ዝከኣል እምበኣር መብዛሕትኦም ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ዝነብሩ ህዝብታት ሰዓብቲ እምነተ⁠-​ክርስትና ኣይኰኑን። ይኹን እምበር: ልደት ንምብዓል ክዓግቶም ዝኽእል ነገር ዘየለ ይመስል። አረ ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈት እተጸምዱ ህዝብታት ንላዕሊ ብውዕዉዕ ስምዒት ዘብዕልዎ ኢዮም ዝመስሉ። ንኣብነት: እታ ዝበዝሑ ካብ ተቐመጥታ ሰዓብቲ እምነት ቡድሂዝም ወይ ድማ ታኦይዝም ዝዀኑላ ሆንግ ኮንግ በቲ ብልዑል ወጃዕጃዕ እተኽብሮ ልደት ኣዝያ ዕልልቲ ኢያ። ኣብታ ካብ ህዝባ 0.1 ሚእታዊት ጥራይ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ምዃኖም ዝዝረበላ ቻይና እውን ከይተረፈ ልደት ብቕልጡፍ ህቡብነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ።

ልደት ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ብሰፊሑ ዝኽበር ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቶም ንየሱስ ከም መሲሕ ዘይቅበልዎ ህዝብታት ነታ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ከም የሱስ እተወልደላ ዕለት ገይሮም ዝርእዩዋ መዓልቲ ኣብ ምብዓል ዝጽመዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓቀኛታት ክርስትያናት ነዚ ኣረኣእያ እዚ ክቕበልዎዶ ኣለዎም ኢዩ፧ መልሲ ናይዚ ሕቶታት እዚ: ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም ጥንታዊት ዝዀነት ሃገር ኮርያ ልደት ብኸመይ ህቡብ ከም ዝዀነ ክንምርምር ከሎና ክንርእዮ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ