ነቲ ውሉዳት ኣብ ምዕባይ ዘሎ ግድላት ምብድሁ
ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ውሉዳት ምዕባይ ንወለዲ ከቢድ ብድሆ ኢዩ: እዚ ብፍላይ ውሉዳት ዕድመ ኮተቴ ክኣትዉ ኸለዉ ዝገደደ ኢዩ ዝኸውን። እታ ኣብ ካናዳ ብእትርከብ ከተማ ሞንትርየል እትሕተም ጋዜጣ ዘ ጋዜት ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ምዝውታር “ኣብ ኣባጽሕ ቅቡል” ኰይኑ ኸም ዘሎ ጸብጻብ ትህብ። ወለዲ “ኣብ ባህርያት እቶም ኣብ ዕድመ ኮተቴ ዘለዉ [ደቆም] ንዝርአ ምልውዋጣት ነቒሖም ክከታተልዎ ሓላፍነት” ከም ዘለዎም ኢያ እተጕልሕ።
ንኸምዚ ዝኣመሰለ ግድላት መንእሰያት ዝሕብሩ ከመይ ዝበሉ ምልክታት ኢዮም ወለዲ ሃሰውሰው ክብሉ ዘለዎም፧ እቲ ንናይ ቈልዑን ኣባጽሕን ሳይክያትሪ ዝከታተል ናይ ኣመሪካ ኣካዳሚያዊ ትካል ንገለ ኣካላውን: ስምዒታውን: ማሕበራውን ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ክረቍሕ ከሎ ዘይወጽእ ድኻም: ኣብ ጠባይን ባህርይን ዝርአ ለውጢ: ኣብ መደቀሲ ተዓጺኻ ካብ መጠን ንላዕሊ ግዜ ምሕላፍ: ገርጨውጨው ምባል: ምፍራስ ሕጊ ምስኡ ኣጠቓሊልዎ ኣሎ።
ወለዲ ንውሉዳቶም ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጐዳኢ ልምድታትን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን ክከላኸሉሎም ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ኣብ ዩኒቨርስቲ ማጊል ዝሰርሕ ዶ/ር ጀፍሪ ኤል. ደረቨንስኪ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ከም ዝህሉ ከምኡውን እቲ ውሉድ ገና ቈልዓ ኸሎ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዘተባብዕ ሃዋህው ከም ዝፍጠር ምግባር ነቲ ኣብ ዳሕራይ ዓመታት ዘጋጥም ግድላት ከውሕዶ ይኽእል ኢዩ ዝብል እምነት ኣለዎ። ኣብ እዋን ብጽሕና እቲ ዝያዳ ናጻ ናይ ምዃን ድሌት ዝዕብልል እኳ እንተዀነ: ኮተቴታት “እቲ ኻብ ወለዶም ዝርከብ መሪሕነት: ደገፍ: ስርዓት: ፍቕሪ” ብቐጻሊ ከም ዘድልዮም ዘ ጋዜት ወሲኻ ትዛረብ። እዚ ርእይቶታት እዚ ምስቲ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ዝመሳሰል ኢዩ። (ምሳሌ 22:6) ኣምላኽ ንወለዲ ኣብነታውያን: ፈቃራት ብጾት: ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋወጡ ዓይነት ሰባት: መማህራን ክዀኑ ኢዩ ዝምዕዶም።—ዘዳግም 6:6, 7