ብዛዕባ ስራሕን ምዝንጋዕን ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ
“ምዝንጋዕ: ውቁብ ልብሲ ኢዩ፣ ኵሉ ግዜ ዝልበስ ግን ኣይኰነን።” ሓደ ስሙ ዘይተፈልጠ ጸሓፊ ኢዩ ነዘን ቃላት እዚኣተን ተጠቒሙ ንኣገዳስነት ምዝንጋዕ ዝገለጸ። ይኹን እምበር: ብመንጽር ቁም ነገር ዘለዎ ንጥፈት ኴንካ ክርአ ኸሎ ሚዛናዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ።
እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሰሎሞን እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ ጥበበኛ ንጉስ እዚ ክልተ ኽእለ ዘለዎ ሕሉፍ ኣረኣእያታት ይረቍሕ። ብዛዕባ እቲ ቐዳማይ ከምዚ ብምባል ይሕብር:- “ዓሻ ኣእዳዉ የመሳቕል እሞ: ገዛእ ስጋኡ ይበልዕ።” (መክብብ 4:5) እወ: ትህኪት ንሓደ ሰብ ኣብ ድኽነት ከውድቖ ይኽእል ኢዩ። ከም ሳዕቤን እዚ ድማ እቲ ሃካይ ጥዕንኡ: ህይወቱ እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል። እቲ ኻልኣይ ከኣ ገሊኦም ዝዀነ ይኹን ነገር ብምስዋእ ኣበርቲዖም ዝሰርሑ ምዃኖም ኢዩ። ሰሎሞን ነቲ ዕረፍቲ ዘይብሉ ጻዕሮም “ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን” ብምባል ገለጾ።—መክብብ 4:4
ሰሎሞን ንኣድላይነት ናይ ሚዛናዊ ምዃን ክገልጽ ከሎ “ካብ ምሉእ ሕፍኒ ምስ ጻዕርን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይንሲ ሓንቲ ዕሙዅቲ ምስ ዕረፍቲ ይሐይሽ” ዝበለ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዝነበሮ ኢዩ። (መክብብ 4:6) ሓደ ሰብ ‘ብጻዕሩ ባህ ክብሎ’ ኣለዎ: እዚ ድማ በብግዜኡ በቲ ዝረኸቦ ዓስቢ ዝሕጐሰሉ እዋን ክህልዎ ኣለዎ ማለት ኢዩ። (መክብብ 2:24) ኣብ ርእሲ ስጋዊ ዕዮ ድማ ኣብ ናብራ ክማላእ ዘለዎ ካልእ ነገራት ኣሎ። ንስድራቤታትና ገለ ካብ ግዜና ክንህበን ዝግባእ ኢዩ። ሰሎሞን እቲ ቐዳማይ ግዴታና ስጋዊ ዕዮ ዘይኰነስ ንኣምላኽ ምግልጋል ምዃኑ ኣጕሊሑ ኣሎ። (መክብብ 12:13) ንስኻ ሓደ ኻብቶም ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ብምሓዞም ዝሕጐሱ ሰባት ዲኻ፧