ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/10 ገጽ 32
  • “እምነት ዘፍረዮ ጽንዓት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እምነት ዘፍረዮ ጽንዓት”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/10 ገጽ 32

“እምነት ዘፍረዮ ጽንዓት”

እታ ብ1998 ጊ ካኖኒሲ ዝጸሓፋ ብዙሕ ናእዳ ዘትረፈት ሌ ቴምወ ደ ዤኦቫ ፋስ ኣ ኢትሌኽ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቅድሚ ሂትለር) ዘርእስታ መጽሓፍ ብፈረንሳይኛ ተሓቲማ ወጸት። ኣብ መቅድም ናይታ መጽሓፍ እቲ ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦ ፈረንሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ፍኾንስዋ ቤዳኺዳ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚኣ ዝበለጸ ተቐባልነት ዘለዋ መጽሓፍ ኢያ። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ሓደ ጋግ ስለ እትዓብስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ግቡእ ግዜኣ ስለ ዝወጸት እውን ኢያ። . . . ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሳልሳይ ራይክ ዝወረዶም ጸበባ እቶም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምርምር ዝገበሩ እንተ ዘይኰይኑ መን ኢዩ ዝፈልጦ፧ እንተዀነ ግን: ኣብ ብምሉኡ እቲ ን12 ዓመት ዝጸንሐ ስርዓት ዘስካሕክሕ ጭካነን ሕሰምን ዝመልኦ መስጐጕቲ ወሪድዎም ኢዩ። ኣብቲ ዘርዕድ መዳጐኒ ደምበታት እውን ተኣሲሮም ኢዮም። ካብ እምነቶምን መትከሎምን ፈልከት ንኸይብሉ ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ኢዮም። ታሪኽ ነዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ዝረስዖም ስለምንታይ ኢዩ፧ . . .

“ነዞም ሒደት: እተበታተኑ: ከምኡውን ዋላ ሓንቲ ዘይጓድኡ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭከና ዝመልኦን ብሜላን ዝካየድ ዝነበረ መስጐጕቲ ዝወርዶም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ እዚ መልሲ ዘድልዮ ግርምቢጥ ኰይኑ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ። እቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዮም ሒደት ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም: የግዳስ ኵሎም ክሰርሑን ንደቆም ብግቡእ ከዕብዩን ዝደልዩ ከምኡውን ሕጊ ዘኽብሩን ንዋላ ሓደ ሰብ ዘየፍርሁን ሰላማውያን ዜጋታት ኢዮም ነይሮም። ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ካብቶም ካብ 60 ሚልዮን ዝበዝሑ ተቐማጦ እታ ሃገር ገለ 20,000 ዝዀኑ ጥራይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። . . .

“እዚ መስጐጕቲ እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ካብ ደገ ዝወርዶም ዝነበረ ጸቕጢ በቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዝነበሮም እምነት ገይሮም ክቃወምዎ ዝኸኣሉ ጽኑዓትን ዕዉታትን ዝዀኑ መንፈሳዊ ተጻዋርነት ዝነበሮም ኣመንቲ ኢዩ ወሪዱ። እዚ ማለት ድማ ካብቲ ብፖሊስ ዝመሓደር መንግስቲ ዘውርደሎም ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ብርቱዕ ጽንዓትን ሰማእትነትን ዝሓትት ጸገም ክጻወሩ ነበሮም።”

እቶም ሃይማኖታዊ ተጻዋርነት ብዘይምህላዉ ምእንቲ ክርስትያናዊ እምነቶም ክብሉ ሰማእት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገደፍዎ ታሪኽ ኣዝዩ መሳጢ ኢዩ። እታ ላ ክኽዋ እትበሃል ብፈረንሳይኛ እትሕተም ፍልጥቲ ናይ ካቶሊክ ጋዜጣ ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ክትገልጽ ከላ ልቢ ብዝትንክፍ መገዲ ከምዚ በለት:- “ጊ ካኖኒሲ ካብቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ ታሪኽ [ናይ የሆዋ መሰኻኽር]: ብዛዕባ እቲ ንጹር ዝዀነ እምነት ዘፍረዮ ጽንዓት ብዘደንቕ መገዲ ሓያል መርትዖ ኣቕሪቡ ኣሎ። እዛ ኣብ ቈልዑ እውን እተራእየት እምነት ክሳዕ መወዳእታ ክምህ ዘይትብል ኢያ። እዚ ተዘክሮ እዚ ነቲ ሕጂ ብዛዕባ ባህርይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝግበር ዘሎ ክትዕ ንምፍታሕ ከም ድሕረ⁠-​ባይታ ኰይኑ ከገልግል ኣለዎ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ