‘ሕጉስ በዓል ቤት ናይ ሓንቲ ምጭውቲ ሰበይቲ’
ሓድሓደ ግዜ ገለ ሰባት ኰነ ኢሎም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም በተንቲ ሓዳር ገይሮም ይኸስዎም ኢዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ናይ መርዓ ብጻይ ጥራይ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ዝዀነሉ ብዙሕ ሓዳር ከም ዝርአ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ጸለመ ኢዩ። እዛ እትስዕብ ኣብ ሓደ ኣብ ፈረንሳ ዝሕተም ጋዜጣ ዝወጸት ደብዳበ ከም እተረጋግጾ: ኣብ ናብራ ስድራቤት ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዕየየሉ ምግባር ሕጉስ ሓዳር ንኽህሉ ዝሕግዝ ኢዩ።
“ሕጉስ በዓል ቤት ናይ ሓንቲ ምጭውቲ ናይ የሆዋ ምስክር ሰበይቲ ካብ ዝኸውን እንሆ 28 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ነቶም ካብኣ ዘይተወልዱ ክልተ ቘልዑ ወሲኽካ ንሓሙሽተ ደቀይ ብዘይ ገለ ኣፈላላይ ብፍቕሪ ኣዕብያቶም ኢያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ዳይረክተር ኰይነ ዝዓየሉ 45 ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ኩባንያ ኣብ ስርሐይ ኣሳልጦ ንኽረክብ እዚ ዘይብሃል ደገፍ ከም ዝገበረትለይ ከረጋግጸልኩም እኽእል ኢየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢየ እታ ዅሉ ሳዕ ዝከታተላ ጋዜጣ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንወረዳ ሎቴጋሮን ኣስጋእቲ ከም ዝዀኑ ዝኸስስ ዓንቀጽ ሒዛ ምስ ወጸት ጭቡጥ መርትዖ ዘለዎ ቃለይ ክህብ ዝወሰንኩ።”
ብተወሳኺውን እታ ደብዳበ ከምዚ ትብል:- “ሽጋራ ኣየትክኹን ከምኡውን ኣይሰኽሩን ኢዮም። እዝስ ስግኣት ዝፈጥር ድዩ፧ ነቲ ዝስዕብዎ መምርሒታት ብኻልኦት ግድነት ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ ዘይብሉ ተጻዋርነት ዘለዎም ክርስትያናት ኢዮም። እወ: ንሳቶም ብብዙሕ መገድታት ኣብነታውያን ኢዮም። . . . ናይ ገንዘብ ብልሽውና ከምኡውን ናይ ሓሽሽ ንግድ ኣብኦም ቦታ የብሉን። ማሕላ ድንግልና ኣይፍጽሙን ኢዮም: ንሳቶም ካብ ናይ ካልኦት ዘይተፈልየ ተራ ህይወት ከም ዘሕልፉ . . . ከረጋግጸልኩም እኽእል ኢየ።
“ ‘ስለምንታይ ድኣ እሞ ንስኻ ንባዕልኻ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰንካ፧’ ኢልኩም ትሓቱኒ ትዀኑ። ናይ የሆዋ ምስክር ምዃን ክርስትያናዊ እምነትን ጽኑዕ ስነ-ምግባርን ክትዕቅብ ስለ ዝሓትት ኢዩ: እዚ ኸኣ ንመብዛሕትኦም ሰባት ቀሊል ኣይኰነን።”