‘ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ’
ብሰንኪ ጨው ውግኣት ተኻይዱ ኢዩ። ከም ገንዘብ ኰይኑ እውን ኣገልጊሉ ኢዩ። ኣብ ጥንታዊት ቻይና ብኽብሩ ካብ ወርቂ ቀጺሉ ይስራዕ ነበረ። እወ: ንነዊሕ እዋን ደቅሰብ ንጨው ከም ክቡር ዝዋግኡ ንብረት ገይሮም ርእዮሞ ኢዮም። ክሳዕ ሕጂውን ከም ፈውስን ጸረ-ረኽስን ኰይኑ የገልግል ኣሎ: ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም መግቢ ንምምቃርን ንምዕቋርን ይጠቅም ኢዩ።
ጨው ብዙሕ ተደላዪ ባህርይ ስለ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከም መመሰሊ ገይሩ እንተ ተጠቕመሉ ኣየገርምን ኢዩ። ንኣብነት: ሕጊ ሙሴ ንመስዋእቲ ዝቐርብ ዝዀነ ይኹን ነገር ጨው ክግበረሉ ይእዝዝ ነበረ። (ዘሌዋውያን 2:13) እዚ ዝግበር ዝነበረ ነቲ መስዋእቲ ንምምቃር ዘይኰነስ ጨው ንዘይምብልሻውን ዘይምምሽማሽን ስለ ዘመልክት ኢዩ ዝኸውን።
የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ከረን ስብከቱ ንሰዓብቱ “ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 5:13) የሱስ ከምዚ ብምባሉ እቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገብርዎ ስብከት ኣብ ልቢ ሰማዕቶም ናይ ምድሓን ጽልዋ ከሕድር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይሕብር። እቶም ንቓላት የሱስ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ካብቲ ኣብ ዝነብሩሉን ዘገልግልሉን ማሕበረሰብ ዝርከብ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ብልሽውና ከም ዝሕለዉ እተረጋገጸ ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 4:1-3
ይኹን እምበር: የሱስ ቀጺሉ ከምዚ ኢሉ መጠንቀቕታ ሃበ:- “ጨው መቐሬቱ እንተ ኸደኸ: . . . ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር: ዚጠቅም የብሉን።” ኣልበርት ባርንስ እተባህለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እዚ ሓሳብ ክህብ ከሎ: እቲ የሱስን ሃዋርያቱን ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ጨው “ዘይጽሩይ ከምኡውን ኣታኽልትን ሓመድን እተሓወሶ ኢዩ ነይሩ።” ስለዚ ጨው መቐረቱ እንተ ኣጥፊኡ “ኣብ መሬት ዝርከብ ብዙሕ ነገራት” ሒዙ ይተርፍ። ባርንስ ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “እዚ . . . ኣብ መገድታት ከም ጸጸር ኰይኑ ከገልግል እንተ ዘይኰይኑ ምንም ኣይጠቅምን ኢዩ።”
ክርስትያናት ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ብምስዓብ ነቲ ዝህብዎ ህዝባዊ ምስክርነት ከየቋርጽዎ ወይ ናብቲ ክፉእ ጠባያት ተመሊሶም ከይወድቁ ክጥንቀቑ ኣለዎም። እንተ ዘይኰነ ብመንፈሳዊ መገዲ ተባላሽዮም ከምቲ ‘መቐረቱ ዝኸደ ጨው’ ዘይጠቕሙ ክዀኑ ኢዮም።