ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝወሃቦ ትርጕም ብናይ መን ጽልዋ፧
ሓደ ካብቲ እታ “ምትርጓም” እትብል ቃል ተገሊጻትሉ ዘላ መገዲ “ንሓደ ነገር ብናይ ገዛእ ርእስኻ እምነት: ምምዝዛን: ወይ ኵነታት ገይርካ ምርዳእ” ዝብል ኢዩ። (ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮልጀይት ዲክሸነሪ) ስለዚ: ናይ ሓደ ሰብ ኣተራጕማ መብዛሕትኡ ግዜ ብተመክሮኡ: ብትምህርቱ: ከምኡውን ብኣተዓባብያኡ ይጽሎ ኢዩ።
እሞ ድኣ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተራጕማ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ብናይ ገዛእ ርእስና “እምነት: ምምዝዛን: ወይ ኵነታት” ገይርና ክንገልጾ ናጻዶ ኢና፧ ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራትን ተርጐምትን ብኣምላኽ ከም ዝምርሑ እምበር ካብ ገዛእ ርእሶም ከም ዘይትርጕሙ ኢዮም ዝዛረቡ።
እቲ “ሓደ ካቶሊክ” ብዝብል ናይ ብርዒ ስሙ ብ1836 ኤ ኒው ቨርሽን ኦቭ ዘ ፎር ጎስፔልስ ዝበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘሕተመ ጆን ሊንጋርድ ሓደ ኣብነት ክዀነና ይኽእል ኢዩ። ኣብ እግረ-ጽሑፍ ናይ ዮሃንስ 1:1 ከምዚ ይብል:- “እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ነቲ ኣረኣእያኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መርትዖ ከም ዝረኸቡሉ ይኣምኑ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ዝህቦም: የግዳስ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጕም ምስቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዘተሓሕዝዎ ኢዩ።”
ነዚ ነጥቢ እዚ ብግቡእ እኳ እንተ ገለጾ ዕላማ ናይዚ ጸሓፊ ግን እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ዝሃቦ ሓሳብ ነታ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ዝተርጐማ ልምድቲ ስላስያዊ ትርጕም ደገፍ ክዀኖ ኢዩ ደልዩ:- “‘ቃል’ ብመጀመርታ ነበረ፣ ‘እቲ ቓል’ ድማ ምስ ኣምላኽ ነበረ፣ ‘እቲ ቓል’ ድማ ኣምላኽ (God) ነበረ።”
እዚ ጸሓፊ እዚ ዮሃንስ 1:1 ንሰረተ-እምነት ስላሴ ከም እትድግፍ ገይሩ ክትርጕማ ዝደፋፍኦ እንታይ ኢዩ፧ ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት’ ስለ ዝረኸበ ደዀን ይኸውን፧ እዚ ፈጺሙ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ ትምህርቲ ስላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን ኢዩ። እቲ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብዛዕባ እዚ ነጥቢ እዚ እንታይ ከም ዝብል እሞ ኣስተብህል:- “እታ ስላሴ እትብል ቃል ትኹን ግልጺ ዝዀነ ናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን የሎን።” ኣብ ርእሲ እዚ: እቲ ናይ ያለ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ኢ. ዋሽበርን ሆፕኪንስ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “የሱስን ጳውሎስን ንሰረተ-እምነት ስላሴ ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም፣ . . . ብዛዕባኡ ዋላ ሓንቲ ኣይበሉን።”
እሞ ድኣ ብዛዕባ እቶም ንዮሃንስ 1:1 ወይ ዝዀነ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ንትምህርቲ ስላሴ ከም ዝድግፍ ገይሮም ክትርጕምዎ ዝደልዩ ሰባት እንታይ ኢልና ክንድምድም ንኽእል፧ ብመሰረት ናይ ሚስተር ሊንጋርድ መዐቀኒ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይኰነን ከምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ዝህቦም: የግዳስ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጕም ምስቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዘተሓሕዝዎ ኢዩ።”
እቲ ዘሐጕስ ግን: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ቃል ኣምላኽ ክመርሓና ይኽእል ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ በለ:- “ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር: ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።”—2 ጴጥሮስ 1:20, 21