‘ነቲ ዝወርድ ነገር ኣቐዲምካ ንምርኣይ’ ዘኽእል ጥበብ
“እዚኦም ቀልቦም ዘጥፍኡን ምስትውዓል ዘይብሎምን ህዝቢ ኢዮም። ለባማት ነይሮም እንተ ዝዀኑ ነዚ መስተውዓልዎን ነቲ ዝወርዶም ነገር ኣቐዲሞም ምረኣይዎን ነይሮም።”—ዘዳግም 32:28, 29 ትርጕም ቤክ።
እዚ ሙሴ ኣብ ደረት ምድሪ ተስፋ ምስ በጽሑ ንእስራኤላውያን እተዛረቦም ቃላት ኢዩ። ሙሴ ነቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝርስዕሉን ብሰንኪ ተግባራቶም ንዝወርዶም ሳዕቤናት ዘይሓስብሉን ግዜ ኢዩ ኣቐዲሙ ዝነግሮም ነይሩ። ኣብተን ዝሰዓባ ክፍለ-ዘበናት ህዝቢ እስራኤል—ንብዙሓት ነገስታትውን ሓዊስካ—ንመጠንቀቕታት ኣምላኽ ግዲ ኣይገበርሉን።
ንኣብነት: ሰሎሞን ነቲ ምስቶም ንየሆዋ ዘይኰነስ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዘምልኹ ሰባት ከይዋሰቡ ዝኽልክል መለኮታዊ ትእዛዝ ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። (ዘዳግም 7:1-4) ይኹን እምበር: “ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ” ኣእተወ። እንታይ ሳዕቤንከ መጾ፧ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ከምዚ ይብል:- “ኰነ ድማ: ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ: ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት: ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።” (1 ነገስት 11:1, 4) ሰሎሞን ጥበበኛ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ: ቀልቡ ስለ ዘጥፍአ ግን ትእዛዛት ኣምላኽ ምስ ዝጥሕስ ‘ንዝወርዶ ነገር ኣቐዲሙ ክርኢ’ ኣይከኣለን።
ንሕናኸ ከመይ ኢና፧ ነቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ውሳነታት ኣቐዲምና ኣጸቢቕና ምስ እንሓስበሉ ብዙሕ ስቓይ ከነርሕቕ ኢና። ንኣብነት: ክርስትያናት ‘ካብቲ ንስጋን መንፈስን ዘርክስ ዘበለ ዅሉ ርእሶም ከንጽሁ’ ተማዒዶም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 7:1) ከምዚ ምግባር ጥበባዊ ኢዩ: ብዙሓት ሰባት ግን ነዚ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ዕሽሽ ምስ ዝብልዎ እንታይ ክወርዶም ምዃኑ ኣቐዲሙ ዘርእዮም ቀልቢ የብሎምን። ንኣብነት ብዙሓት መንእሰያት ዘመናውያንን በጽሕታትን ከም ዘምስሎም ገይሮም ስለ ዝሓስቡ ትምባኾ ብምትካኽ ኣካላቶም ይብክሉ። ከም ሳዕቤን እዚ ግን ኣብ ዳሕረዋይ ዓመታት ህይወቶም: ብዙሓት ብምኽንያት እቲ ዝወርዶም ናይ ልቢ ሕማማት: መንሽሮ ሳምቡእ: ወይ ድማ ኤምፋዚማ ብዝበሃል ሕማም ሳምቡእ ክሳቐዩስ ክንደይ ዘሰቅቕ ኰን ኢዩ!
ነቲ እንገብሮ ውሳነታትን እንወስዶ ስጕምትታትን ኣርዚንና ክንሓስበሉ ኣገዳሲ ኢዩ። ጳውሎስ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ . . . እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ: እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ” ኢሉ ዝጸሓፈ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዝነበሮ ኢዩ።—ገላትያ 6:7, 8