ካብ ኵሕለ-ምሕሊ ዝበልጽ ነገር
ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ጽባቐ ንምውሳኽ ኢለን ዝገብርኦ ዝነበራ “ደጋዊ ምፍሽሻል” ድሕሪ ምዝራቡ “ኣብ ክንድኡስ ጽባቐኽን ነቲ ናይ ሓቂ ውሽጣዊ እንታይነትክን ዝገልጽ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ዝሓዘ ዘይሓልፍ ጽባቐ ክኸውን ይግባእ” ብምባል መኸረ።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ)።
እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ደጋዊ ስልማት ክጽሕፍ ከሎ ካብታ ኮ ʹስሞስ እትብል ዝመጸት ናይ ግሪኽ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ። እቲ ዘገርም ከኣ እታ “ብፍላይ ንገጽ ምጽብባቕ” እተመልክት ኮስመቲክ እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ካብዛ ቃል እዚኣ ኢያ መጺኣ። ጴጥሮስ ክርስትያናት ደቂ ኣንስትዮ ኵሕለ-ምሕልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መፈሻሸልን ንኸይጥቀማ ዝኽልክል ሕጊ ድዩ ዘውጽእ ነይሩ፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ዝብል ሓሳብ የለን። ኣብ ክንድኡስ ነዚ ኣብ ብሕታዊ ውሳነ ኢዩ ዝሓድጎ: ስለዚ ኸኣ እተፈላለየ ምርጫ ከም ዝህሉ ርዱእ ኢዩ።
ይኹን እምበር: እዚ ምኵሕሓል ካብ መጠን ንላዕሊ ወይ ንረኣዪኡ ባህ ዘየብል ምስ ዝኸውን እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘተሓላልፍ፧ እዝስ ምስ መን ከማይ ምባል: ርኣዩለይ: ጃህራ: ከምኡውን ምስ ርእስኻ ምፍታው ዝምደብዶ ኸይኰነ፧ እዚ ብርግጽ ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብትርኢታ ከም እትናዓቕ ዝገብር ኢዩ፣ ብስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ዝመጸ እውን ግጉይ መልእኽቲ ኢዩ ዘተሓላልፍ።—ምስ ህዝቅኤል 23:36-42 ኣረኣእዮ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓንቲ ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘለዋ’ ጓል ኣንስተይቲ ኵሕለ-ምሕሊ ክትጥቀም እንተድኣ ዀይና ኣብ ትርኢታ ናይ ኣእምሮ ጥቅውና: ውርዝውና: ሕያውነት: ከምኡውን ሕንኪ ክንጸባረቕ ኢያ እትጽዕር። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ግርማ ሞጐስን ተፈታውነትን ከም ዝዓስላ ዝገብር ኢዩ። እወ: ኵሕለ-ምሕሊ ክትጥቀም ድሌት ይሃልዋ ኣይሃልዋ ብዘየገድስ ክብርን ውሽጣዊ ጽባቐን ከም ዘለዋ ኢያ እተርኢ። ከምዚ ምግባራ እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ጴጥሮስ ከም ዝሕብርኦ ካብ ኵሕለ-ምሕሊ ዝበልጽ ነገር ከም ዘሎ እትፈልጥ ምዃና ዘርኢ ኢዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10