ጽቡቕ ስም ምዕቃብ
ሓደ ውቁብ ስእሊ ተጠንቂቕካ ምምርማር ባህ ዘብል ኣጋጣሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣድቂቕካ ምምርማሩ: እቲ ሰኣሊ ነቶም እተፈላለዩ ዓይነት ቀለማት ኣብቲ ዓለባ ምእንቲ ክቐብእ በማእታት ዝቝጸሩ ሕንጻጻት ከም እተጠቕመ ምስትውዓል ይከኣል።
ብተመሳሳሊ ኸኣ ጽቡቕ ስም ዝርከብ ሓንሳእ ብዝገበርካዮ ነገር ዘይኰነስ ኣብ ነዊሕ ግዜ ብዝዓየኻዮ እተፈላለየ ንኣሽቱ ነገራት ኢዩ። እወ: እቲ እንፍጽሞ ተግባራት በብቑሩብ ጽቡቕ ስም ከም እንረክብ ይገብረና ኢዩ።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ሓንቲ ብጌጋ እተሓንጸጸት ሕንጻጽ ጽባቐ ናይቲ ስእሊ ከተጕድሎ ትኽእል ኢያ። ስምና እውን ከምኡ ብንእሽቶ ነገር ክበላሾ ይኽእል ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ” በለ። (ምሳሌ 19:3) ብንእሽቶ ናይ ዕሽነት ተግባር ጽቡቕ ስም ክበላሾ ይኽእል ኢዩ። እዚ ኸኣ ምናልባት ተቘጢዕካ ዝገበርካዮ ነገር: ቅጥዒ ብዘይብሉ ስኽራን: ወይ ሓንሳእ ብእተገብረ ጾታዊ ብዕልግና ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 6:32፣ 14:17፣ 20:1) ስለዚ ጽቡቕ ስም ከነጥሪ: ንምዕቃቡ ኸኣ ኣበርቲዕና ክንዓዪ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ።—ምስ ራእይ 3:5 ኣረኣእዮ።