ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
‘ንኣምላኽ ኵሉ ይከኣሎ ኢዩ’
እዘን ኣብ ማቴዎስ 19:26 ዝርከባ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ቃላት ሓንቲ ኣብ ቬነዙዌላ እትርከብ መንእሰይ ሓቂ ኰይነን ረኺባተን ኢያ። ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ምግባር ምስ ተማህረት ንሓደ ከቢድ ጸገም ክትዋጽኣሉ ከኣለት። ከምዚ ኢላ ድማ ተዘንቱ:-
“ዓባየይ ሕያወይትን ፈቃርን ነበረት። እቲ ዘሕዝን ግን ጓል 16 ዓመት ከለኹ ሞተት። ብሙማታ ኣዝየ ሰምበድኩ። ናይ ኣእምሮ ምርባሽ ኣጋጠመኒ: ሕሉፍ ሓሊፈ ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይደልን ኢየ ነይረ። ርእሰይ ካብ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ኣግለልኩ።
“ትምህርቲ ኣይተማሃርኩን: ስራሕ እውን ኣይነበረንን። ኣብ ክፍለይ ተዓጽየ እውዕል ነበርኩ። ብጽምዋ ተበሊዐ ስለ ዝነበርኩን መሓዛ ስለ ዘይነበረትንን ብኸቢድ ጭንቀት እሳቐ ነበርኩ። ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ: ሞት ከኣ ተመነኹ። ‘ስለምንታይ እነብር ኣለኹ፧’ ብምባል ከኣ ንገዛእ ርእሰይ እሓታ ነበርኩ።
“ኣደይ ካብ ሓንቲ ጊሰላ እትበሃል መንእሰይ ምስክር ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ትቕበል ነበረት። ሓደ መዓልቲ ጊሰላ ብጥቓ ገዛና ክትሓልፍ ከላ: ኣደይ ተደሃየታ እሞ ክትሕግዘኒ ትኽእል እንተ ዀይና ሓተተታ። ጊሰላ ሕራይ በለት: ኣነ ግን ክረኽባ ኣይደለኹን። ንሳ ግን በዚ ኣይተሓናዀለትን። ደብዳበ ጸሓፈትለይ እሞ መሓዛይ ክትከውን ከም እትደልን ሓደ ኣዝዩ ካብኣ ንላዕሊ ዝዀነ ኣካል ከኣ ክመሓዘወኒ ከም ዝደልን ገለጸትለይ። ንሱ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ በለትኒ።
“እዚ ቃላት እዚ ኣዝዩ ስለ ዝተንከፈኒ ንደብዳበኣ መልሲ ጸሓፍኩ። ንሰለስተ ወርሒ ደብዳበ ተጸሓሓፍና። ብዙሕ ምስ ደፋፍአትኒ ግን ኣብ መወዳእታ ንኽራኸባ ትብዓት ረኸብኩ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ምርኻብና በታ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ገይራ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትለይ። ጽንዓት ምስ ወዳእና ናብቲ ኣብ ከባቢና ዝነበረ ኣደራሽ መንግስቲ ከይደ ኣብ ኣኼባ ክካፈል ዓደመትኒ። ኣዝየ ተገረምኩ። ካብ ገዛ ምውጻእ ካብ ዝገድፎ ኣርባዕተ ዓመት ኰይኑኒ ስለ ዝነበረ: እቲ ደገ ምውጻእ ዝብል ሓሳብ ጥራይ ዘርዕድ ኢዩ ነይሩ።
“ጊሰላ ብዙሕ ትዕገሰኒ ነበረት። ምንም ዘፍርሕ ነገር ከም ዘየለ: ናብቲ ኣኼባ ኸኣ ከተሰንየኒ ምዃና ገለጸትለይ። ኣብ መወዳእታ ክኸይድ ተሰማማዕኩ። ኣብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ምስ በጻሕና ከንቀጥቅጥን ክርህጽን ጀመርኩ። ንዋላ ሓደ ሰብ ሰላም ክብል ኣይከኣልኩን። ኣብ ኣኼባታት ብቐጻሊ ክካፈል ግን ወሰንኩ: ጊሰላ እውን ብዘይ ምቍራጽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ትበጽሓኒ ነበረት።
“ነቲ ዝነበረኒ ናይ ምርባሽ ስምዒት ከጥፍኦ ምእንቲ ክኽእል: ናብ ኣኼባታት ኣቐዲማ ትወስደኒ ነበረት። ኣብ ኣፍ ደገ ደው ንብል እሞ ንነፍሲ ወከፍ ዝመጸ ሰብ ሰላም ንብል። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ምስ ኵሎም ብሓንሳእ ገጽ ንገጽ ዝራኸብ: ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ጥራይ ኢየ ዝራኸብ ነይረ። ምጽዋር ክስእን ከለኹ: ጊሰላ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 19:26 ዘሎ ‘እዚ ንሰብ ኣይከኣሎን: ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣሎ ኢዩ’ ዝብል ሓሳብ ትጠቕሰለይ ነበረት።
“ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ እውን ከይተረፈ ክካፈል ከኣልኩ። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ስጕምቲ ኰን ኢዩ! ኣብ መስከረም 1995 ነቶም ሽማግለታት ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ንኽካፈል ብትብዓት ሓተትክዎም። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ: ሚያዝያ 1996 ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብማይ ጥምቀት ኣርኣኹ።
“ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ሰብ እዚ ንኽገብር ብኸመይ ትብዓት ከም ዝረኸብኩ ምስ ሓተተኒ: ‘እቲ ንየሆዋ ከሐጕስ ዘለኒ ባህጊ ካብቲ ዝስማዓኒ ፍርሂ ይዓቢ ኢዩ’ ኢለ መለስኩሉ። ሓሓሊፉ ጭንቀት ዘጋጥመኒ እኳ እንተዀነ: ስርዓታዊት ፓይነር ኰይነ ብምግልጋለይ ግን ሓጐሰይ እናዓበየ ከደ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክሓስቦ ከለኹ ነቲ ጊሰላ ዝበለቶ እሰማማዓሉ ኢየ። ሕጂ ዝግደሰለይን ‘ሓይሊ ዝህበንን’ መሓዛ ኣለኒ።”—ፊልጲ 4:13
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእልታት]
“እቲ ንየሆዋ ከሐጕስ ዘለኒ ባህጊ ካብቲ ዝስማዓኒ ፍርሂ ይዓቢ ኢዩ ”