ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/5 ገጽ 25
  • ምስ ደቅኻ ኴንካ ኣንብብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስ ደቅኻ ኴንካ ኣንብብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/5 ገጽ 25

ምስ ደቅኻ ኴንካ ኣንብብ

ብመሰረት ቬዣ እትበሃል ናይ ብራዚል መጽሔት: መብዛሕትኡ ግዜ እቶም ወለዶም ህርኩታት ኣንበብቲ ዝዀኑ ቈልዑ ካብቶም ኣብ ገዝኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነት ዘይረኽቡ ቈልዑ ንላዕሊ ፍቕሪ መጻሕፍቲ የማዕብሉ ኢዮም። ኣብ ኣተዓባብያ ቈልዑ ክኢላ ዝዀነት ማርታ ሆፐ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ብሓባር ኴንካ ምንባብ: ነቲ ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን ዘሎ ርክብ የደልድሎ ከምኡውን እቲ ቘልዓ ንትሕዝቶ እቲ መጻሕፍቲ ከም ዝርድኦ ይገብር።”

ብተወሳኺውን ንደቅኻ ዓው ኢልካ ምንባብ: ሕቶኦም ንምምላስ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ ኢዩ። ምስቲ ጽሑፍ ዘሎ ስእልታት እውን ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ። ሆፐ ቀጺላ ከምዚ በለት:- “ሓደ ቘልዓ ንትሕዝቶ እቲ መጻሕፍቲ ብዝያዳ እናተረድአ ብዝኸደ መጠን: ክፈልጥ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ብዝያዳ [ነቶም መጻሕፍቲ] ክርኢ ይለዓዓል።”

ብዙሓት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ደቆም ብሓባር ምንባብ ባህ ይብሎም ኢዩ። ከም መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ (እንግሊዝኛ): ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝኣመሰሉ ጽሑፋት ከንብቡሎም ይኽእሉ ኢዮም።a ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ቈልዑ ንፉዓት ኣንበብቲ ንኽዀኑ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ኣብ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ዕዳጋ ዝረኸበ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ተገዳስነት ንኽዓቢ ይሕግዞም ኢዩ። ስለዚ ወላዲ እንተድኣ ዄንካ: ንቓል ኣምላኽ ብህንጥዮት ብምንባብ ንውሉዳትካ ኣብነት ኩን። (እያሱ 1:⁠7, 8) ብዝከኣለካ መጠን ድማ ንኸተንብበሎም ግዜ

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትማ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ