ሰበ-ስልጣን ንመሰኻኽር ኣመስጊኖምዎምና
ይታ ካብ ማድሪድ ብደቡባዊ ምዕራብ 500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣብ እስጳኛ ዘላ ካዚት እትበሃል ወደባዊት ከተማ ከንቲባ ዶንያ ቴኦፊላ ማርቲነስ: ንናይ የሆዋ መሰኻኸር ጽሑፍ እተቐርጾ ጽሩብ እምነ በረድ (ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ) ሃበቶም። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይንበብ:- “ምምሕዳር ከተማ ካዚት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ እዛ ከተማ ክብሉ ዝገበርዎ ምትሕብባርን ጻዕርን ዘቕረቦ ምስጋና።” እቶም መሰኻኽር ከምዚ ዝኣመሰለ ክብሪ ክረኽቡ ዝኸኣሉ እንታይ ስለ ዝገበሩ ኢዮም፧
እቶም መሰኻኽር ንገለ ክፋል ስታድዩም ናይታ ከተማ ንምሕዳስ ንዝገበርዎ ዕዮ ንምምሳው ኢዩ ተዋሂቡ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ናይ ካራንዛ ናይ ኩዕሶ እግሪ ስታድዩም ታሕተዋይ ክፍሊ ዝነበረ ዓይኒ ምድሪ ንምምሕያሽ ንገለ ቀዳመ-ሰናብቲ ወለንተኛታት ኰይኖም ሓገዙ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኵሎም እቶም በቲ ስታድዩም ዝጥቀሙ ሰባት ካብቲ እተገጥመ ሻምብቆታት ማይ: ከምኡውን በቲ እተዓረየ ምድሪ ቤት ይጥቀሙ ኣለዉ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ከተማ ካዚት ጽቡቕ ርክብ ይገብሩ ኣለዉ። እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቶም መሰኻኽር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንዝገብርዎ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኢሉ ንስታድዩም ካራንዛ ክጥቀሙሉ ዓመት ዓመት ብሕያውነት ይፈቕደሎም ኣሎ። ስለዚ: እቶም መሰኻኽር ነቲ ስታድዩም ጽቡቕ ገይሮም ንኽሕዝዎ ዝከኣሎም ኵሉ ክገብሩ ሕጉሳት ኢዮም።
ይኹን እምበር: እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ እቲ ሓሓሊፉ ዝግበር ናይ ጉልበት ስራሕ: ነቶም ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ጐረባብቶም ብኻልእ መገዲ ምእንቲ ክሕግዝዎም ብቐጻሊ ይበጽሕዎም ኢዮም። “ወንጌል” ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩሎም። ርግጽ ኢዩ: ካብ ሰባት ምስጋና ክረኽቡ ኢሎም ኣይኰኑን ኣብቲ ዝግበር ህዝባዊ ምስክርነት ዝካፈሉ። ነቲ የሱስ “ወንጌል መንግስቲ” ክሰብኩን ‘ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩዎም’ ዝሃቦም መምርሒ ንምእዛዝ ኢዮም ከምኡ ዝገብሩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19) በዚ ኸምዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ማሕበረሰብ “መገዲ ጽድቂ” ብምምሃር ንኸገልግልዎ ተስፋ ይገብሩ።—ምሳሌ 12:28