ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
“ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን” ምስባኽ
ኣብ ቦዝንያን ሄርዞጎቪናን ውግእ ምስ ተወለዐ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከቢድ መከራ ወረዶም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ፈታኒ እዋን ንሰባት ንምትብባዕን ተስፋ ከም ዝህልዎም ንምግባርን ዝከኣሎም ኵሉ ጽዒሮም ኢዮም። እዚ ቐጺሉ ዘሎ ሓሳባት ካብ ደብዳበ ናይ ሓደ ንእተወሰነ እዋን ኣብ ሳራየቮ ዘገልገለ ሓው እተወስደ ኢዩ።
“ኣብዚ ናብራ ከቢድ ኢዩ: ሰባት ግን ንሓቂ ተቐበልቲ ኢዮም። ኣብዚ ዘለዉ መሰኻኽር ዘደንቕ ኣብነት ናይ ዘይምሕላል ኢዮም። ብስጋዊ ዘለዎም ነገራት ኣዝዩ ውሑድ ክነሱ ድራኸኦም ግን ልዑል ኢዩ። ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት ዳርጋ ዅሎም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኢዮም ተጸሚዶም ዘለዉ። ሓደስቲ ኣስፋሕቲ በዚ ቕንኢ እዚ ይተባብዑ ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ካብታ ኣገልግሎት ዝጀመሩላ ወርሒ ኣትሒዞም 60 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ምሕላፍ ዘገርም ነገር ኣይኰነን።
“ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ዕዮ ስብከት: ንሰባት ምእንቲ ክንረኽቦም እተፈላለየ ካልእ ኣገባባት ተጠቒምና ኢና። ንኣብነት: ኣብ ናይታ ከተማ መካነ-መቓብራት ብምኻድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምዕዳል ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ።
“ኣብ ሆስፒታላት እውን ምስክርነት ተዋሂቡ ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ሳራየቮ ዝርከብ ክፍሊ ምርመራ ልቢ ዝሰርሕ ቀንዲ ሓኪም: እታ ‘ሕማም ልቢ—እንታይ ኢዩ ዝግበሮ፧’ ዝብል ናይ ገበር ኣርእስቲ ዘለዋ ናይ 8 ታሕሳስ 1996 ሕታም ንቕሑ! ተቐበለ። ነቶም ካልኦት ሓካይም ምእንቲ ኽህቦም ድማ ተወሳኺ ቅዳሓት ክወሃቦ ሓተተ። ድሕርዚ እቲ ሓኪም ነቶም ኣብ ክፍሉ ዝርከቡ ኵሎም ሕሙማት ክበጽሕዎም ነቶም መሰኻኽር ኣፍቀደሎም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ካብ ሓደ ሰዓት ዝይድ ኣብ ዝበለ ግዜ ካብ ዓራት ናብ ዓራት ብምኻድ ልዕሊ 100 መጽሔታት ተዓደለ። ምትብባዕን ተስፋን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣብቲ ሆስፒታል ብምምጻእ ከምዚ ዝኣመሰለ ምብጻሕ ዝግበረሎም ዘሎ ንመጀመርታ ግዜ ምዃኑ ገለጹ።
“ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ንቘልዑ ዝኸውን ዓንቀጻት ዘለዎም መጽሔታት ብምሓዝ ናብቲ ቘልዑ ዝሕከምሉ ክፍሊ ኬድና ነይርና። እታ ኣብዚ ዘላ ቀንዲ ሓኪም እውን ኣብቲ ናይ ንባብ ክፍሊ ዝኸውን ገለ ቅዳሓት እታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት እትበሃል መጽሓፍ ወሰደት። ሕጂ እተን ኣብቲ ሆስፒታል ንዘለዉ ደቀን ክበጽሓ ዝመጻ ኣዴታት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት የንብባሎም ኢየን። ነዛ ሓኪም እዚኣ ኣብ ገዝኣ ንምብጻሓ እውን ምድላዋት ተገይሩ ኢዩ።
“ኣብ ሳራየቮ ካብ እተፈላላየ ሃገራት ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ኔቶ [ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ኣለዉ። ነዚኣቶም እውን ግቡእ ምስክርነት ተዋሂብዎም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ እታ ንዅሎም ህዝብታት ዝኸውን ብስራት እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ: ብእተፈላለየ ቋንቋታት ዝወጹ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ሒዝና ካብ ታንኪ ናብ ታንኪ ንኸይድ ነበርና። ኣብቲ ናይ ኢጣልያ ወተሃደራት ዝነብሩሉ ዝነበሩ ባራካታት ልዕሊ 200 መጽሔታት ተዓዲሉ ኢዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ብዙሓት ናይ ኢጣልያ ወተሃደራት ቅድሚ ሕጂ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዘራሪቦም ከም ዘይፈልጡ ነገሩና። ዝዀነ ዀይኑ ግን ኣብ ሳራየቮ ረኸብናዮም።
“ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ታንኪ ኣብ ወሰን እቲ መገዲ ደው ኢላ ነበረት። ናብታ ታንኪ ከይደ ብጽላለይ ገይረ ምስ ኳሕኳሕኩ ሓደ ወተሃደር ወጸ። ኣነ ኸኣ እታ ‘ልኡኻት ሰላም መን ኢዮም፧’ ዝብል ናይ ገበር ኣርእስቲ ዘለዋ ግምቢ ዘብዐኛ ኣርኣኽዎ። እቲ ወተሃደር ንዓይ እናጠመተ ‘ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ ጥራይ ከይትብለኒ፧’ ኢሉ ሓተተኒ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃነይ ምስ ፈለጠ: ‘ክእመን ዘይከኣል ነገር ኢዩ፣ ኣብዚ ኸኣ ኣለኹም! ንስኻትኩም ዘይብሉ ቦታ ኣብ ምድሪ ኣሎዶ፧’ ኢሉ ሓተተኒ።”
ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ብግዜኡን ብዘይግዜኡን ስበኽ’ ኢሉ መዓደ። (2 ጢሞቴዎስ 4:2) ኣብ ሳራየቮ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን: ልክዕ ከምቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣመንቲ ብጾቶም: ካብ ዓራት ናብ ዓራት: ካብ ታንኪ ናብ ታንኪ እውን ከይተረፈ እናኸዱ እዮም ዝሰብኩ ዘለዉ።