ክትዝከር ዘለዋ መዓልቲ
የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት: ዘይበዅዐ ቅጫን ጽዋእ ወይንን ኣልዒሉ ነቶም ሃዋርያቱ ክበልዑን ክሰትዩን ኣዘዞም። “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ድማ በሎም።—ሉቃስ 22:19
ኣብዚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽሪ ሓሙስ 1 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክኽበር ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዝኽሪ እዚ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገይሮም ምእንቲ ከብዕልዎ ኣብዛ ፍልይቲ ምሸት እዚኣ ክእከቡ ኢዮም። ምሳና ክትሓብር ምዉቕ ዝዀነ ዕድመ ነቕርበልካ። እቲ ልክዕ ቦታን ግዜን ናይዚ ፍሉይ ኣኼባ ንምፍላጥ በጃኻ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቲትካ ኣረጋግጽ።