ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/3 ገጽ 32
  • ስም ኣምላኽ ናብ ቦትኡ ተመልሰ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስም ኣምላኽ ናብ ቦትኡ ተመልሰ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/3 ገጽ 32

ስም ኣምላኽ ናብ ቦትኡ ተመልሰ

“እቲ የሆዋ ዝብል ስም ንሓያሎ ዓመታት ምናልባትውን ንክፍለ-ዘበናት ዝኣክል ካብ መጽሓፍ ቅዱሳት ወጺኡ ድሕሪ ምጽንሑ: እቶም ጽኑዕ ኣቕዋም ወሲዶም ነቲ ቴትራግራማተን ናብ ቦትኡ ዝመለስዎ እንኮ ክርስትያናዊ ሃይማኖት እቶም ሎሚ ዘለዉ መሰኻኽሩ ኢዮም።”a

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ካብታ ጀኦቫ ደንትሩ ዱ ጁዳኤስሙ ኤ ዱ ክሪስትያነስሙ (ቋንቋ ፖርቱጋል) ዘርእስታ ብኣሲስ ብራዚል ዝበሃል ብራዚላዊ ጸሓፊ እተደርሰት መጽሓፍ እተወስዳ ኢየን። ‘ሒደት ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መለኮታዊ ስም ብሓደ መልክዕ ወይ ብኻልእ ዝጥቀም እኳ እንተዀነ: ካልኦት ሃይማኖታት ካብ መጽሓፍ ቅዱሰን ዘውጽእኦ ስለምንታይ ኢየን፧’ ዝብል ሕቶ ግን ክለዓል ይከኣል ኢዩ። እዚ ብራዚል እተባህለ ጸሓፊ እዚ “ስም ኣምላኽ ብምኽንያት ሓተታ መናፍስቲ . . .: ብሕቡእ ድራኸታት: ወይ ንኣስማት ናይ የሱስን ኣዲኡ ማርያምን ክብ ንምባል ብዝብል ባህጊ ኢዩ ተሓኺኹ” ይብል።

ከምቲ ሚስተር ብራዚል ብቕንዕና ዝገልጾ ግን “እቲ ተገዲፉ ዝነበረ [መለኮታዊ] ስም: በቲ ናይ ቋንቋ ፖር​ቱጋል ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትር​ጕም ሓዳስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ተዓርዩ ኣሎ።” ብኸመይ፧ ስም የሆዋ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ግቡእ ቦትኡ ብምምላሱ ኢዩ። ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ስም የሆዋ ልዕሊ 7,200 ግዜ ተጠቒሱ ይርከብ።

እዚ ብቛንቋ ፖርቱጋል እተዳለወ ዘመናውን ቃል ብቓልን ዝዀነ ትርጕም ንመጀመርታ ግዜ ካብ ዝወጽእ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮንን ፈረቓን ቅዳሓት ተዘርጊሑ ኣሎ። ስለዚ ኸኣ ጋዜጠኛ ናይታ ድያርዩ ዱ ኖርደስተ እትበሃል ኣብ ብራዚል እትዳሎ ጋዜጣ (ቋንቋ ፖርቱጋል) “ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ ትፈልጥዶ ነይርካ፧” ኢሉ ንኽሓትት ተደሪኹ ነበረ። ሳላ እዚ ዘመናዊ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ: ሕጂ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት “እወ ንፈልጦ ኢና: እቲ መለኮታዊ ስም: የሆዋ ኢዩ” ኢሎም ክምልሱ ይኽእሉ ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስም ኣምላኽ ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ יהוה ብዝብል ፊደላት ኢዩ ተጻሒፉ። እዘን ኣርባዕተ ፊደላት እዚኣተን (ካብ የማን ንጸጋም ዝንበባ) ብሰፊሑ ቴትራግራማተን ተባሂለን ኢየን ዝጽዋዓ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ