ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/2 ገጽ 32
  • “ሰላማዊ ሃዋሁ ከም ዘሎ ተፈለጠኒ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ሰላማዊ ሃዋሁ ከም ዘሎ ተፈለጠኒ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/2 ገጽ 32

“ሰላማዊ ሃዋሁ ከም ዘሎ ተፈለጠኒ”

ሐደ ቋንቋ ጀርመን ዝዛረብ ሰብኣይ ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ “ክስልዮም” ናብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ኣውራጃዊ ኣኼባ ከደ። ስለምንታይ ክስልዮም ደልዩ፧ “ነዚ ኣንቈራ እዚ ንምቅላዕን ንኣዕሩኽቱ ካብ ሕማቕ መገዲ ንምድሓንን” ብዝብል ዕላማ ኢዩ። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ድሕሪ ምክፋሉ ናብ ኣዕሩኽቱ እዚ ዝስዕብ ደብዳበ ጸሓፈ:-

“ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ ምስ በጻሕኩ ኣብቲ ልክዕ ቦታ ድየ ዘሎኹ ብምባል ተጠራጠርኩ። ኣብ ወጻኢ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን: ጐሓፍ ወይ ናይ ቢራ ታኒካታት ኣብ ምድሪ ኣይነበረን። እናቐረብኩ ምስ ከድኩ ኸኣ ክልተ ሰብኡት ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ስታድዩም ረኣኹ። ሰላም ኢሎም ከኣ ኣእተዉኒ።

“ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ክህልዉ ዝነበሮም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ጫውጫው ክሰምዕ ትጽቢት ገይረ ነበርኩ፣ እንተዀነ ግን: ጸጥ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። ‘ምናልባት ኣብ ብምሉኡ እቲ ቦታ ፋሕ ዝበሉ ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም ዝህልዉ’ ብምባል ሓሰብኩ።

“ምስ ኣተኹ ብኡንብኡ በቲ ኣብቲ መድረኽ ዝግበር ዝነበረ ድራማ ተማርኽኩ። እቲ ስታድዩም በቶም ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ዝነበሩ ጥንቁቓት ሰማዕቲ ከም ዝመልአ እተገንዘብኩ: ደሓር ኢዩ። ሰላማዊ ሃዋሁ ከም ዘሎ ተፈለጠኒ። ኣብቲ ተሪፉ ዝነበረ መደብ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ዝሰማዕክዎን: ዝረኣኽዎን እተሰምዓንን ነገራት ዓሚቝ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ።

“ምስቶም መሰኻኽር ብምሕዋስ እቲ ዝነበሮም ፍሕሽው ገጽን ፍቕራዊ ኣቀራርባን ተዓዘብክዎ። ነቲ ሃንደበት ዝመጸኒ ‘እዚኣቶም ብሓቂ ህዝቢ ኣምላኽ ኢዮም’ ዝብል ሓሳብ ዓቢጠ ክሕዞ ኣይከኣልኩን!”

እቲ ሰብኣይ ‘ንኣዕሩኽቱ ካብ ጌጋ መገዲ ምድሓን’ ዘይኰነስ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓተተ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ኰነ፧ ሎሚ ንሱ ክርስትያን ሽማግለ ኢዩ ዘሎ። ንሱን ስድራቤቱን ኣብታ ኣብ ዙግ ስዊዘርላንድ ዘላ ጉባኤ ኢዮም ዘገልግሉ ዘለዉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ