ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/2 ገጽ 24-25
  • ምእንቲ “ቅዱስ” ቦታ ምቅላስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምእንቲ “ቅዱስ” ቦታ ምቅላስ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቅዱስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ህዝበ ክርስትያን ብየሩሳሌም ተመሲላ ድያ፧
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/2 ገጽ 24-25

ምእንቲ “ቅዱስ” ቦታ ምቅላስ

እቶም ብናይ ሮማ ጳጳስ እተላእኩ ናይ መጀመርታ መስቀላውያን ብ15 ሓምለ 1099 ንየሩሳሌም ብምቍጽጻር ሸቶኦም ፈጸሙ። እቲ እተፈጸመ ቅትለት ዘስካሕክሕ ኢዩ ነይሩ! እቶም ክድሕኑ ዝኸኣሉ ተቐማጦ እቲ ኣማሓዳርን እቲ ሓላዊኡን ጥራይ ኢዮም ነይሮም: ንሳቶም እውን እንተዀኑ ብዙሕ ጉቦ ስለ እተኸፍለ ኢዮም ክድሕኑ ዝኸኣሉ። ኣንቶኒ ብሪጅ እተባህሉ ቀሺ ኣብታ ዘ ክሩሰይደርስ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፎም ንኣመንቲ ምስልምናን ኣይሁድን እንታይ ከም ዝወረዶም ክጽሕፉ ኸለዉ ከምዚ ይብሉ:- “እቶም መስቀላውያን ኣብቲ ከተማ ዝደለይዎ ክገብሩ ምስ ተፈቕደሎም: ኣብ ከቢድን ብርቱዕን ዝዀነ ምፍሳስ ደም ኣተዉ። . . . ኣብታ ኸተማ ዝረኸብዎ ሰብኣይ: ሰበይቲ: ቘልዓ ቀተሉ . . . ቀቲሎም ድሕሪ ምውድኦም እቶም እተዓወቱ ሰባት ንኣምላኽ ንምምስጋን ብጽርግያታት ናይታ ኸተማ ኣቢሎም . . . ናብ ናይ ቅዱስ መቓብር ቤተ-ክርስትያን ከዱ።”

እቶም መስቀላውያን ንየሩሳሌም ድሕሪ ምቍጽጻሮም: ህላወ ህዝበ-ክርስትያን ኣብቲ ቦታ በቲ ኣብ መንጎ ናይ ሮማ ካቶሊክ: ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ኣብ መንጎ ካልኦት ክርስትያን ኢና ዝብላ ሃይማኖታትን እተራእየ ቀጻሊ ምስሕሓብ ዝልለ ኰነ። ብ1850 ብምኽንያት ናይቲ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ከባቢኣን ዘሎ ቅዱስ ቦታታት ኣብ መንጎ ብዙሓት መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ክርክር ምልዓሉ ናብቲ ክሪምያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውግእ ዝመርሕ ቀንዲ ረቛሒ ኰነ። ዓዲ እንግሊዝ: ፈረንሳ: ከምኡውን ሃጽያዊ ግዝኣት ኦቶማን ኣንጻር ሩስያ ተዋግኣ እዚ ኸኣ ምኽንያት ሞት ናይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ህይወት ኰነ።

እቲ ውግእ ነቲ ንየሩሳሌምን ኣብኣ ዝርከብ ቅዱስ ቦታታትን ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ህዝበ- ክርስትያን ዘሎ ፍልልያት መወዳእታ ኣይገበረሉን። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝቈጻጸርዋ ዝነበሩ ኦቶማናውያን: ነቲ ቅዱስ ቦታታት ኣብ መንጎ እቶም እተፈላለየ እምነት ዝነበሮም ሃይማኖታት ብምምቕቓል ሰላም ከምጽኡ ፈተኑ። ዶክተር ምናሽ ሃረል እተባህለ ኣብታ ዚስ ኢዝ ጀሩሳሌም እትብሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እዚ ስርዓት እዚ . . . ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዝረኸበ ኣብ ሕዳር 1947 ናይ ምክፍፋል ውሳነ ምስ ተገብረ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ክፍሊ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ኢዩ።” ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ናይ ቅዱስ መቓብር ቤተ-ክርስትያን ኣብ መንጎ ናይ ሮማ ካቶሊክ: ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ: ኣርመን: ሶርያውያን: ከምኡውን ተዋህዶ ተመቕለ። ኣብ መወዳእትኡ ናይ ኢትዮጵያ ፈለስቲ እውን ገለ ካብ ኣባላቶም ኣብቲ ናሕሲ ኣጓዱ ሰሪሖም ከም ዝነብሩ ብምግባር ግደ ከም ዘለዎም ኣርኣዩ። ብዙሓት ሰባት ንናይ ቅዱስ መቓብር ቤተ-ክርስትያን እቲ ኣዝዩ ቅዱስ ዝዀነ ቦታ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ስእልታትን ምስልታትን ጣኦታትን ዝመልአ ኢዩ። ካልእ ቅዱስ ቦታ ዝብሃል ከኣ እቲ ብገሊኦም ፕሮተስታንት የሱስ ዝሞተሉን እተቐብረሉን ቦታ ኢዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ናይ ጎርዶን ካልቫሪ ኢዩ።

ነዊሕ ይገብር የሱስ ንሓንቲ ኣብ ቅዱስ ቦታታት እምነት ዝነበራ ሰበይቲ ‘ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ኽትመጽእ ኢያ: ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ኢዮም ዝሰግድሉ’ ብምባል መለሰላ። (ዮሃንስ 4:⁠21-24) ስለዚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቅዱስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታታት ንኣምልኾ ኣይጥቀሙሉን ኢዮም። እታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ብሰራዊት ሮሜ ምጥፍኣ ንህዝበ-ክርስትያን ከም መጠንቀቕታ ዘገልግል ኢዩ። እቲ ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዝርከብ ኣምልኾ ጣኦት: ምክፍፋል: ከምኡውን ናይ ደም ገበነኛ ምዃና እቲ ክርስትያን ኢየ እትብሎ ሓቂ ከም ዘይኰነ ኢዩ ዘርኢ። ስለዚ እቲ ኣምላኽ ንዅለን እተን ንዓባይ ባቢሎን ዘቝማ ሃይማኖታት ንኽወርደን ኣቐዲሙ እተዛረበሉ ጥፍኣት ክረኽባ ኢዩ። ​—⁠ራእይ 18:⁠2-8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ