“ንስኻትኩም ከምቲ ኣምላኽ ክንኰኖ ዝደልየና ዓይነት ሰባት ኢኹም”
ክርስትያናት ‘ስለ እግዚኣብሄር ኢሎም’ ምስ ዓለማውያን ሰበ-ስልጣን ብምትሕብባሮም: ከም ‘ገበርቲ ሰናይ ክንኣዱ’ ትጽቢት ይገብሩ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:13-15) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ሓደ ኮለጅ ቀጽሪ ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ዝገበርሉ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኣጋጢምዎም ኢዩ።
ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ: እቶም ናይቲ ኮለጅ ጸጥታ ዝሕልዉ ፖሊስ ከምቲ ኣብ ካልእ ዓይነት ዓበይቲ ኣኼባታት ዘጋጥሞም: ቁጡዓትን ዘይሰምዑን ዕዱማት ክመጹ ብምጽባይ ብግቡእ ተዳለዉ። ይኹን እምበር: ቅድሚ ሕጂ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋላ ሓንቲ ርክብ ስለ ዘይነበሮም በቲ ዘጋጠሞም ነገር ብምሕጓስ ኣዝዩ ደንጸዎም!
እቶም ፖሊስ ከምቲ ኵሉ ግዜ ዝገብርዎ ምቍጽጻር: ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ቀጽሪ እትኣቱ መኪና ፈተሹ። ሽሕ እኳ እቲ ፈተሻ ነቶም ዕዱማት እንተ ኣደናጐዮም: ብዓቕልን ኣኽብሮትን ምቝሉላት ኰይኖም ሰላምታ ምስ ሃብዎም ተገረሙ። እቲ እተለምደ ምግርጫውን ምክርኻርን ብዕሉግ ዘረባታትን ኣይነበረን። ሓደ ናይ ጸጥታ ተቖጻጻሪ “ከምቶም ካልኦት ኣጋይሽ ዘይኰነስ: ኵላትና ክንዕዘቦ እንኽእል ትሕትናን ህድኣትን ኢኹም እተርእዩ” በለ።
እቲ ሓላፊ ሓለዋ ጸጥታ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእይዎ ምትሕብባር ምስ ተዓዘበ: “ንስኻትኩም ስነ-ስርዓት ዘለኩም ኢኹም” ብምባል ነተን መካይን ምፍታሽ ክቋረጽ ወሰነ። በዚ ምኽንያት እዚ እተን “ጀይ ዳብሊው” ዝብል እተለጠፈን መካይን ከይተፈተሻ ክኣትዋ ተፈቕደለን።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ: እቲ ሓላፊ ሓለዋ ጸጥታ ነቶም መሰኻኽር ኣብ ቀረባ ግዜ እንደገና ክመጹ ተስፋ ከም ዝገብር ተዛረበ። “ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ሰባት ፈጺምና ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና” በለ። ወሲኹ ኸኣ “ንስኻትኩም ከምቲ ኣምላኽ ክንኰኖ ዝደልየና ዓይነት ሰባት ኢኹም” በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳ ንሓቀኛታት ክርስትያናት: ሰባት ‘ንሰናይ ግብሮም ርእዮም ንኣምላኽ ምእንቲ ከመስግንዎ ኣካይዳኦም ከጸብቑ’ ዘተባብዖም ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 2:12