ካብ ናይ ኣደ ዝሓየለ ፍቕሪ
ኣዴታት ነቶም ዝወለዳኦም ዕሸላት ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ መደበር መጓዓዝያ: ኣብ ናይ ህዝቢ ዓይኒ ምድሪ: ወይ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝሓልፈሉ ጐደናታት ይድርብይኦም ኣለዋ። ሓድሓደ ግዜ: ናይ ጽሬት ሰራሕተኛታት: ነዴታቶም ደልዮም ዝንኽነኹ ናጽላታት ኣብ መአከቢ ጐሓፍ ከይተረፈ ተደርብዮም ጸኒሖሞም ኢዮም። ብመሰረት እታ ኦ ኤስታዶ ደ ኤስ. ፓውሎ እትበሃል ጋዜጣ: “ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ጐደና ዝድርበዩ ዕሸላት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።” እታ ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ እትገብር መንእሰይ ኣደ ድሕሪ ገለ ግዜ ክትጠዓስ ከም እትኽእል እተረጋገጸ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንህይወት ውሉዳ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እኳ እንተዀነ: ንውሉዳ ትድርብዮ ኢያ።
‘ሓንቲ ኣደ ውሉዳ እንታይ ከም ዝወርዶ ዘይትፈልጥ ክነሳ ክድርብዮ ኢየ ዝብል ሓሳብ ከመይ ኢሉ ክመጸላ ይኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ: ፈጣሪና ኣብቶም ናቱ ዘበሉ ዘለዎ ስምዒት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ሓያል ምንጽጻር ንምሃብ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ኵነታት ከም ምሳሌ ገይሩ ይጥቀመሉ:- “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ: ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከአላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ: ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ” ድማ ይብል።—ኢሳይያስ 49:15
ሓቂ ኢዩ: ኣምላኽ ካብ ዝዀነት ትኹን ሰብኣዊት ኣደ ንላዕሊ ኣዝዩ ኢዩ ዘፍቅረና: ብዛዕባ ዘድልየና ነገራት ድማ ተገዳስነቱ የርኢ ኢዩ። መንእሰይ ኩን ወይ ብዕድመ ዝደፋእካ: ትጋጠሞ ዘሎኻ ግድል እውን እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ሓጋዚ ኣሎካ። ፈጣሪኻ ክሕግዘካ ይደሊ ኢዩ: ብድሕንነትካ ድማ ይግደስ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” በለ።—መዝሙር 27:10
ኣብ ብዘላ ዓለም: መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ ! ብዛዕባ እቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ፍልጠት ንምሃብ ኢዩ ዝሕተም: ነቶም ነዚ ፍልጠት እዚ ዝረኽብዎ እሞ ዘማስውሉ ሰባት ድማ ዘለኣለማዊ ህይወት የምጽኣሎም ኢዩ።—ዮሃንስ 17:3