“ንጥበብ ናብ ውሽጢ ደበና ዘንበራ መን እዩ፧”
“ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም: ሽዑ፤ ዝናም ኪዘንም እዩ: ትብሉ ኢኹም: ከምኡ ኸኣ ይኸውን። ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፤ ሃሩር ኪኸውን እዩ: ትብሉ: ከምኡ ድማ ይኸውን።” እዘን ብሉቃስ እቲ ጸሓፊ ወንጌል እተጻሕፋ ቃላት የሱስ ኣብ ጥንታዊት ጳለስጢና ንዅነታት ኣየር ብዝምልከት ትንቢት ይንገር ከም ዝነበረ ኣብነት ዝዀና ኢየን። (ሉቃስ 12:54, 55) ኣብ ገለ ገለ ዅነታት: እቶም ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ምልክታት ርእዮም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝፍጸም ቅኑዕ ትንቢት ክንበዩ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።
ኣብዚ እዋን እዚ: ናይ ሜትዎሮሎጂ ክኢላታት ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝፍጸም ኵነታት ኣየር ንምዕቃን ከም ንምድሪ ዝዀላ ሳተላይትን ዶፕለር ራዳር ዝበሃል መሳርሕን ኣስለጥቲ ዝዀና ዘመናውያን ኮምፒዩተራትን ዝኣመሰለ እተራቐቐ መሳርሒታት ይጥቀሙ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ትንቢታቶም ጌጋ ኢዩ ዝኸውን። ስለምንታይ፧
ብዛዕባ ዅነታት ኣየር ብልክዕ ምንባይ ከቢድ ዝገብር ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ንኣብነት: ኣብ ሙቐት: ጠሊ: ናይ ኣየር ጸቕጢ: ከምኡውን ኣብ ቅልጣፈን ኣንፈትን ንፋስ ዘጋጥም ዘይተሓስበ ለውጢ ነቲ ጕዳይ ክሓላልኾ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ጸሓይን ደበናን ባሕርን ዘጋጥም እተሓላለኸ ነገራት ነቲ ትንቢት ልክዕ ከም ዘይከውን ዝገብሮ ኢዩ። ነዚ ድማ ሊቃውንቲ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን። በዚ ምኽንያት እዚ: ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ምትንባይ ፍጻሜኡ ምሉእ ብምሉእ ዘየተኣማምን ስነ-ፍልጠት ኢዩ።
እቲ ሰብ ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ዘለዎ ድሩት ፍልጠት ነቲ ንእዮብ ዝቐረበሉ ሕቶታት የዘኻኽረና ኢዩ:- “ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧ በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዚወጽእ፧ . . . ብዝሒ ማያት ምእንቲ ኪኸድነካ: ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከአለካ እዩ፧ . . . ንጥበብ ናብ ውሽጢ [“ደበና:” NW ] ዘንበራ መን እዩ፧ ወይስ ንልቢ [“ኣብ ሰማይ ንዝኽሰት ነገራት:” NW ] ምስትውዓል ዝሃቦ መን እዩ፧ . . . ንደበናታት ብጥበብ ዚቘጽሮም መን እዩ፧ ነሕርብቲ ሰማይ ዜፍስሶምከ መን እዩ፧”—እዮብ 38:28-37
መልሲ ናይዚ ዅሉ ሕቶታት: ሰብ ዘይኰነስ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ዝብል ኢዩ። እወ: ሰባት ክሳዕ ክንደይ ጥበበኛታት ይኹኑ ብዘየገድስ: ፈጣሪና ብጥበብ ኣዝዩ ዝለዓለ ኢዩ። መገድና ዕዉት ምእንቲ ክኸውን: ጥበቡ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘስፈረልና ብሓቂ ፈቃር ኣምላኽ ኢዩ።—ምሳሌ 5:1, 2