“ንሕና ካቶሊክ ካብኣቶም እንማሃሮ ብዙሕ ነገራት ኣሎ”
ኣብ ባሪ: ኢጣልያ: ዘላ ሓንቲ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምህር ንተማሃሮኣ ብዛዕባ ታሪኽ ሃይማኖት እናማሃረቶም ከላ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመልኪታ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ርእይቶ ሃበት። እታ መምህር ኣብ ምምሃር ምእንቲ ኽሕግዛ ናይ መምሃሪ መሳርሒታት ቪድዮ ካሴት ክትጥቀም ምዃና ነቶም ተማሃሮ ነገረቶም። ሓደ ሮቤርቶ ዝስሙ ወዲ 18 ዓመት ተማሃራይ ከምኡ ክትብል ምስ ሰምዓ: ሃይማኖቱ እውን ኣብቲ ምይይጥ ንኽኣቱ ሓሳብ ኣቕረበ። ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ —ዘ ኦርጋናይዘሽን ቢሃይንድ ዘ ነይም እትበሃል ቪድዮ ካሴት ክህባ ምዃኑ ነታ መምህር ነገራ። እታ መምህር በዚ ተሰማምዐት እሞ: ኵሎም እቶም ኣብታ ንሱ ዘለዋ ክፍሊ ዝነበሩ ዳርጋ 30 ዝዀኑ ተማሃሮ ነታ ቪድዮ ረኣይዋ። ሮቤርቶ ከምዚ ይብል:- “ኵሎም በቲ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ሕብረትን ኣመሓዳድራን ዓሚቝ ፍቕርን ተመሲጦም ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 40 ሚልዮን ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን 36 ሚልዮን ቅዳሓት ንቕሑ ! ከም ዝሕተም ምስ ፈለጡውን ዝያዳ ተገሪሞም ኢዮም።”
ነታ ቪድዮ ካሴት ምስ ረኣይዋ ሓያሎ ካብቶም ደቂ ክፍሉ “ክሳዕ ክንድዚ እተመሓደርኩም ኣይመስለንን ኢዩ ነይሩ” ብምባል ሓሳቦም ገሊጾም ኢዮም። እታ መምህር ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመልኪታ ነቶም ተማሃሮ ከምዚ በለቶም:- “ኣዝዮም ሕቡራትን እተመሓደሩን ንኽዀኑ እምነቶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝድርኾም እሞ ተዓዘብዎ። ንሕና ካቶሊክ ካብኣቶም እንማሃሮ ብዙሕ ነገራት ኣሎ።” እታ ቪድዮ ካሴትን እቲ ብድሕሪኡ ኣብቲ ክፍሊ እተገብረ ምይይጥን ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓሸ ምርዳእ ንኽህልዎም ብዙሕ ኣበርክቶ ገይሩ ኢዩ።