ኵሎም ካህናት ነቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ይኣምንዎ ድዮም፧
ንሓንቲ ሰበይቲ በዓል ቤታ ሞተ። ኣባት ነብሳ ኸኣ በዓል ቤታ ምሉእ ብምሉእ ጻድቕ ስለ ዘይነበረ ብቐጥታ ናብ ሰማይ ከም ዘይከይድ ምሉእ ብምሉእ ሓጥእ ስለ ዘይነበረ ኸኣ ናብ ገሃነም እሳት ከም ዘይኣቱ ይገልጸላ። ብኣበሃህላ እቲ ካህን: በዓል ቤታ ንሰማይ ክሳዕ ዝኸይድ ብመቕጻዕቲ ይሳቐ ኢዩ ዘሎ። እታ ሰበይቲ ድማ በዓል ቤታ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ካብቲ መንጽሂ ቦታ ምእንቲ ኽወጽእ እቲ ኻህን ጸሎት ከዕርገሉ ኢላ ገንዘብ ትኸፍሎ። እቲ ኻህን ከምቲ ናታ ቅኑዕ እምነት ዘለዎ ዀይኑ ስለ እተሰምዓ በቲ ዝኸፈለቶ ገንዘብ ቅሳነት ተሰሚዑዋ ኢዩ።
እዛ መበለት እዚኣ: እቲ ኻህን ድሕሪ ሞት ስቓይ ኣሎ ኢሉ ብሓቂ ዘይኣምን ምዃኑ እንተ ትፈልጥሲ ካብ ምድንጋር እትናገፍዶ ይመስለካ፧ ብዙሓት ሰባት: ሓያሎ ካህናት ካብቲ ባዕላቶም ዝምህርዎ ትምህርቲ ነቲ ዝበዝሕ ዘይኣምንዎ ምዃኖም ብምፍላጦም ይጭነቑ ኢዮም። እታ ናሽናል ካቶሊክ ሪፖርተር እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) “ካብቲ ናይ ጾታ ነውሪ ዝኸፍእ ናይ ካህናት ግድል” ኢላ ንዝጸውዓቶ ጕዳይ ኣመልኪታ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ካብ መንጎ እቶም ካህናት: ንህላወ ኣምላኽ ወይ ድማ ንበረኸትን መቕጻዕትን ትንሳኤን ዝምልከት ሰረተ-እምነት ምእማን ዘቋረጹ ብዙሓት ኢዮም . . . እዚ ናይ ዘይምእማን ባህሊ እውን ዘይንጸል ክፍሊ ናይ ካህናት ኣተሓሳስባ ኰይኑ ኣሎ: ልክዕ ከም ግመ ድማ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ።”
ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያንውን ተመሳሳሊ መዋጥር ኢየን ዘሕልፋ። እታ ካንቤራ ታይምስ እትበሃል ናይ ኣውስትራልያ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ): ብዙሓት “ነቲ ድንግል ከም ዝወለደት: የሱስ ተኣምራት ከም ዝገበረ: እቲ መሲሕ ካልኣይ ከም ዝመጽእ ዝገልጹ መሰረታዊ እምነታት ናይቲ ያታዊ ክርስትና” ዘይኣምንዎ ምዃኖም ኣብቶም ኣብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ-ክርስትያን ዘለዉ ቆመስ እተገብረ መጽናዕቲ ከም ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕረበት።
ጆርጅ ኣር. ፕለይጌንዝ እተባህለ ናይ ሃይማኖት ጸሓፊ: ኣገልጋሊ ኢየ ዝብል ሰብ ነቲ ንሱ ዘይኣምኖ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ካብ ጽሩይ ሕልና ተለዓዒሉ ከመይ ገይሩ ክምህር ይዀነሉ ብምባል ሕቶ ኣቕሪቡ ነበረ። ሓደ ኣገልጋሊ ነቲ “እኣምን” ዝብል ናይ ትምህርቲ ሃይማኖት መእተዊ ቓላት ብኻልእ ከም ዝተክኦ ተዛረበ። “ነቲ ትምህርቲ ሃይማኖት ‘ንሳቶም ኣብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣቦ ዝዀነ ኣምላኽ ይኣምኑ ኢዮም . . .’ ብምባል ኢየ ዝጅምሮ” ድማ በለ። ፕለይጌንዝ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ግብዝና “ኣብዛ ሃገር [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ] ካብ እተገብረ ምትላል እቲ ዝዓበየ” ኢሉ ጸውዖ።
እቲ ካህናት ዘንጸባርቕዎ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዘይምርኣይን ቅንዕና ምጕዳልን ብዙሓት ሰባት ንሃይማኖት ብሓፈሻ መደናገሪ ከም ዝዀነ ገይሮም ክምልከትዎ ስለ ዝገበሮም ዘሕዝን ኢዩ። እቲ ሎሚ ዘሎ ዘጨንቕ ናይ ሃይማኖት መዳይ ግን እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ብዙሓት ምእመናን መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ተማሂሮምዎ ኢዮም። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንገለ ካብቲ ንነዊሕ እዋን እተቐበልዎ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሰረተ-እምነት ዘይምህር ምዃኑ እንተ ዝፈልጡስ ምተገረሙዶ፧ ሓደ ካብቲ ኣብነት ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።