ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/10 ገጽ 32
  • ኣብ መገዲ ህይወት ዘሎ ሓባሪ ምልክታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ መገዲ ህይወት ዘሎ ሓባሪ ምልክታት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/10 ገጽ 32

ኣብ መገዲ ህይወት ዘሎ ሓባሪ ምልክታት

ብሓደ ዘይትፈልጦ መገዲ ወይ ጐደና ትጓዓዝ እንተድኣ ኣሊኻ: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓባሪ ምልክታት ዕንቅፋት ዝፈጥር ነገር ከም ዝዀነ ገይርካዶ ምረኣኻዮ፧ ፈጺሙ ዘይመስል ኢዩ! መገድኻ ከይሰሓትካ ናብቲ ደሊኻዮ ዘሎኻ ቦታ ንኽትበጽሕ ዝሕግዘካ ምልክት ገይርካ ከም እትርእዮ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ብመገዲ ህይወት ብዛዕባ ምጕዓዝከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ብዘይ ሓባሪ ምልክት ብዓወት ክብጻሕ ይከኣልዶ፧ ሓደ ናይ ጥንቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ በዚ ዝመጸ ደቅሰብ ደረት ከም ዘለዎም “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ።​—⁠ኤርምያስ 10:⁠23

ኣድላዪ መምርሒ ድኣ እሞ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧ እቲ ክትውከሎ ዝከኣል ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ዝርከበሉ ምንጪ ኣብቲ ፈጣሪ ሰብ ኢዩ ዘሎ: እቲ ምሳሌያዊ ሓባሪ ምልክታት ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ዝርከብ። የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ “ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: . . . እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ” ይብል።​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠21

እወ: ቃል ኣምላኽ ንዅሉ መዳያት ህይወትና ዝኸውን ክትውከሎ ዝከኣል መምርሒ ይህብ ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:⁠17፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17) ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መገዲ ህይወት በዚ መለኮታዊ መምርሒ እዚ ከይተመርሑ ይጓዓዙ ምህላዎም ዘሕዝን ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠13) ምስናይዚ ግን: ነቲ ሓባሪ ምልክታት ገና ክትጥቀመሉ ይከኣል ኢዩ! በቲ መገዲ ህይወት ክትከይድ ከሎኻ ነቲ ሓባሪ ምልክታት ከተቕልበሉ ዲኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ