እቲ ንመበል 19 ክፍለ-ዘበን ዘጥፍአ ውግእ
1914
ናይታ ዘ ኦርላንዶ ሰንቲነል እትበሃል ጋዜጣ [እንግሊዝኛ] ኣዳላዊ ዓምዲ ዝዀነ ቻርሊ ሪስ ነቲ ሓድሽ ሽሓዊ ዓመት ኣመልኪቱ “እቲ ንመበል 19 ክፍለ-ዘበን ዘጥፍአ ካብ 1914-18 ዝነበረ ውግእ ኣብኡ ኣየብቅዐን” ብምባል ጸሓፈ። ከምዚ ክብል ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ከምዚ ብምባል ገለጸ:- “ታሪኽ ብዓውደ-ኣዋርሕ ኣይኰነን ዝምራሕ። እቲ ብእምነትን ኣረኣእያታትን ስነ-ምግባርን ዝፍለጥ ዝነበረ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ብ1 ጥሪ 1901 ዘይኰነስ ብ1914 ኢዩ ኣብቂዑ። እቲ ብኣንጻሩ ዝፍለጥ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እውን ጀመረ። . . .
“ካብቲ ንህይወትና ዝተንከፈና ምግርጫዋት ዳርጋ ዅሉ ካብቲ ውግእ እቲ ንደሓር ዝነቐለ ኢዩ። እቲ ተቐቢልናዮ ዘሎና ዳርጋ ዅሉ ኣእምሮኣውን ባህላውን ዝንባለታት ካብቲ ውግእ እቲ ዝመነጨ ኢዩ። . . .
“ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንወት ዘስዓበ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ ምኽንያቱ ነቲ ሰባት ንመጻኢኦም ንኽቈጻጸርዎ ዘኽእሎም ዝነበረ እምነት ኣዕንይዎ ኢዩ። . . . እቲ ውግእ ንሰባት ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ እምነት ከም ዝላቐቑ ገይርዎም ኢዩ። ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይቲ ውግእ ዝነበሩ ሰባት እዚ ሳዕቤን እዚ ክመጽእ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮምን። ነቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ግዝኣት ደምሲስዎ ኢዩ። ካብ ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ጀርመንን ነቲ ብሉጽ ወለዶ ብምሉኡ ኣጽኒትዎ ኢዩ። . . . ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ 11 ሚልዮን ሰባት ቀተለ።”
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ 120 ዓመታት: እቲ የሱስ “ዘመናት ኣህዛብ” ብምባል ዝጸውዖ እዋን ዝውድኣሉ ግዜ 1914 ምዃኑ ክሕብሩ ጸኒሖም ኢዮም። (ሉቃስ 21:24) እቲ ካብ ምዉታት ዝተንስአን ክብሪ እተቐበለን የሱስ ክርስቶስ ኣብታ ዓመት እቲኣ ከም ንጉስ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኰይኑ ኣብ ስልጣን ተቐሚጡ ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ በዛ መንግስቲ ኣቢሉ ነዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ከም ዝልለ ዝገብሮ መከራታት ንሓዋሩ ከጥፍኦ ኢዩ።—መዝሙር 37:10, 11፣ መክብብ 8:9፣ ራእይ 21:3, 4
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
U.S. National Archives photo