ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘመናዊ ቋንቋ ግሪኽ
ነቶም “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ኣብ ዘርእስቱ ኣብ ግሪኽ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት 23 ነሓሰ 1997 ፍልይቲ መዓልቲ ኢያ ነይራ። እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ክፍለ-ግዜ ክውዳእ ምስ ቀረበ: ሓዲሽ መጽሓፍ ቅዱስ ማለት ብዘመናዊ ቋንቋ ግሪኽ እተዳለወ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከም ዝወጸ ተነግረ። እቶም በዚ እተገረሙ ሰማዕቲ ብሓንሳእ ኰይኖም ናይ ሓጐስ ንብዓት ብምንባዕን ደው ኢሎም ንነዊሕ ብምጥቓዕን መለስሉ!
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ 1905 ኣትሒዞም በቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘመን ብናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ካህን እተዳለወ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ክጥቀሙ ጸኒሖም። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ንሓያሎ ዓመታት ጠቒምዎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገለ እዋናት ብዝያዳ ቅኑዕን ንኽትርድኦ ቀሊል ዝዀነን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላዪ ምዃኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ። ብ1993 ነቲ ናብ ግሪኽ እተተርጐመ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብምርካቦም ተሓጒሶም ነበሩ። ይኹን እምበር: ሕጂ ብዘመናዊ ቛንቋ ግሪኽ እተዳለወ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብምርካቦም ኣዝዮም ተሓጒሶም ኣለዉ።
ሓንቲ መማሰዊት ምስክር ንትርጕም ሓዳስ ዓለም “ንመጀመርታ ግዜ ብቛንቋና ብንጹር ክንርድኦ እንኽእል ግጥሚ: ድምጺ የሆዋ ዝሓዘ ህዱእ ንፋስ” ብምባል ጸውዓቶ። ገሊኦም ናብ ገዝኦም ምስ ተመልሱ ብኡንብኡ ነቲ ሓድሽ መጽሓፍ ቅዱሶም ከንብቡዎ ጀመሩ። ሓደ ካብቶም ተኣከብቲ ኣዝዩ ካብ ምሕጓሱ እተላዕለ ንመጽሓፍ እዮብ ብምልእታ ኣንቢቡ ክሳዕ ዝውድኣ ክሳዕ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ንመጽሓፍ ቅዱሱ ካብ ኢዱ ኣይፈለያን!
እዚ ብቛንቋ ግሪኽ እተዳለወ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ፍረ ናይቲ ትግሃት ዝመልኦ ገለ ሸውዓተ ዓመታት ዝወሰደ ዕዮ ኢዩ። ሓንቲ ደብዳበ “ትርጕም ሓዳስ ዓለም ቅኑዓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኽማሃሩ ኣብ ምሕጋዝ ብዓቢኡ ክድግፈና ምዃኑ ርግጸኛታት ክትኰኑ ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል ጽሑፍ ሒዛ ነበረት።