“ንእምነትኩም ኣይትሕደግዎ”
ገለ መሰኻኽር ብጕጅለ ዀይኖም ኣብ ሓንቲ ካብተን ናይ ግሪኽ ደሴታት ሲክላዲዝ ዘቘማ ዳርጋ 30 ዝዀና ደሴታት ይሰብኩ ነበሩ። ክልተ ካብኣቶም ብሓደ ጐደና እናኸዱ ክሰብኩ ኸለዉ ሓደ ፖሊስ ረኸቦም እሞ ናብ መደበር ፖሊስ ከምርሑ ነገሮም። ኣብቲ መደበር ፖሊስ ምስ በጽሑ ነዊሕ ከይጸንሑ: ተሌፎን ተደወለ። ተሌፎን ዝደወለ ናይቲ ዓዲ ካህን ኢዩ። “ኣብዚ ዓዲ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘለዉ ሰሚዐ ነይረ” ድማ በለ። እቲ ፖሊስ “እወ: ኣብዚ እውን ክልተ ሒዘ ኣሎኹ” ኢሉ መለሰ። እቲ ኻህን “መጻእኩ እምበኣር” በለ። እቶም ኣሕዋት በቲ ኣዘራርባ ናይቲ ዕላል ሓውሲ ፍርሒ ተሰምዖም።
ይኹን እምበር: እቲ ኻህን ኣብቲ መደበር ፖሊስ ምስ በጽሐ: ፍሽኽ እናበለ ሰላም በሎም: ብጐድኒ እቲ ፖሊስ ኣብ ዝነበረት ሰድያ ድማ ኮፍ በለ። ምይይጥ ምስ ቀጸለ ድማ: እቲ ፖሊስ ክትዕ ኣልዓለ: እቲ ኻህን ግን ምኽንያታውን ምቕሉልን ነበረ። ነቶም መሰኻኽር ከቋናጽቦም ከም ዘይብሉ ድማ ነቲ ፖሊስ ነገሮ: ወሲኹ ድማ “ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ልምምድ ስለ ዝረኽቡ ንዝዀነ ይኹን ሕቶ ክምልሱ ይኽእሉ ኢዮም። ንእምነት ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ምልዋጥ መሰረት ዓለም ምንዋጽ ይቐልል” በሎ።
እቶም ኣሕዋት ንጽባሒቱ ንግሆ እናሰበኹ ኸለዉ እቲ ኻህን ኣጓነፎም እሞ “ኣብቲ መደበር ፖሊስ ምይይጥ ክንገብር ከሎና ኣዚኻ ምቕሉል ዝነበርካ ስለምንታይ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እቲ ኻህን ኣብ ሳይሮስ ምስ ብዙሓት መሰኻኽር ይፋለጥ ከም ዝነበረን ንብዙሕ ዓመታት ድማ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! የንብብ ከም ዝነበረን ነገሮም። አረ ኣብ ሓያለይ ግዝያትሲ: ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብፋይል ብምሽፋን ኣብ ቤተ- ክርስተያን ስብከት ኣብ ምሃብውን ከይተረፈ ተጠቒምሉ ኢዩ። “ጽሑፋትኩም እንተ ዘይህልወኒ ነይሩ: ህይወተይ ትርጕም ኣይምሃለዎን ነይሩ ኢለ ኢየ ዝሓስብ። ጽሑፋትኩም ተስፋ ሂቡኒ ኢዩ” ብምባል ተዛረበ።
ጸኒሑ ኸኣ: እቲ ኻህን ነቶም መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ነገሮም:- “ሓደ ነገር ክነግረኩም እደሊ ኢየ። ንእምነትኩም ኣይትሕደግዎ። ሓደራ ኣይትጋገዩ። እዚ ሕጂ ዝነግረኩም ዘሎኹ ነገር ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሃብክዎ ስብከት እቲ ዝበለጸ ኢዩ: ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዘይኰነስ ናይ ልበይ ኢየ ዝነግረኩም ዘሎኹ።”