ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ትሕት ኢልካ ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ
“ኣቱም . . . ትሑታት ምድሪ ዅላትኩም: ንእግዚኣብሄር ድለይዎ።” እዚ ልዕሊ 26 ክፍለ-ዘበናት ይገብር በቲ እብራዊ ነብዪ ጸፎንያስ እተኣወጀ ዕድመ: ነዞም ሎሚ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ገና ይዝርጋሓሎም ኣሎ። (ጸፎንያስ 2:3) ንየሆዋ ምድላይ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ስጕምቲ እዚ ብዛዕባ እቲ በይኑ ሓቀኛን ህያውን ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ፍልጠት ብምርካብ ኢዩ ዝጅምር።—ኤርምያስ 10:10፣ ዮሃንስ 17:3
ይኹን እምበር: ፍልጠት ምርካብ ጥራይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኣቕዋም ከም እንረክብ ኣይገብርን ኢዩ። ሓደ ሰብ ስምረት ኣምላኽ ክረክብ እንተድኣ ዀይኑ ነዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ እውን ኣለዎ። ከመይ ገይሩ፧ እዚ ካብ ሱሪናም ዝመጸ ስዒቡ ዘሎ ተመክሮ ከም ዝገልጾ: ብኣተሓሳስቡኡን መዓልታዊ ምምልላሱን ብትሕትና ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ብምስምማዕ ኢዩ።—ኤፌሶን 4:22-24
ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዝርከብ ኤዲ ዝስሙ መምህር ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ዘዕግብ መልስታት ክረኽበሉ ብሂጉ ነበረ:- ‘ ሃይማኖት ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ፧’ ከምኡውን ‘እቲ ጥንታዊ መጽሓፍ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ይሰማማዕ ድዩ፧’ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ በጽሕዎ እሞ ነዚ ሕቶታት እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመስሪቶም ምስ መለስሉ: ኤዲ ብጥንቃቐ ሰምዖም። ነቲ እቶም መሰኻኽር ዝህብዎ ዝነበሩ መግለጺታት ምእንቲ ክምርምሮ እውን መዘኻኸሪታት ይጽሕፍ ነበረ።
ቅድሚኡ ኤዲ: ኣባል ናይ ሓንቲ: ሰባት ኣብ ህላወ ክመጹ ዝኸኣሉ ብመገዲ እቲ ኣምላኽ ንኣህባይ ዝገበረለን ምምሕያሽ ኢዩ ኢላ ዝመሃረቶ ሃይማኖት ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ እቶም መሰኻኽር ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ምስ ሃብዎ: ተሓጒሱ ተቐበላ። እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዝርከብ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ ፍጥረት ጸብጻብ ዝነግር ንጹር መግለጺ ማሪኽዎ ኢዩ። በቲ ዝገበሮ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ድማ ንሓቂ ከም ዝረኸባ ተረድአ!
ድሕርዚ ግን ፈተና ኣጋጠሞ። ምስቶም ስርቅን ምትላልን ዝናብርኦም ሰባት ኣብ ሓደ ገዛ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ስለዚ ኸኣ: ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫ ተነቢሩሉ ነበረ:- ነቲ ብልሹው ናብራ መዳቕስቱ ምስዓብ ወይ ድማ ንኣምላኽ ዘኽብር ኣገባብ ናብራ ምእንቲ ክነብር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጠባይ ምንጻግ። ኤዲ ብጥበብ ነዚ ኻልኣይ ምርጫ መረጸ። ንዅሉ እቲ ምስኣቶም ዘሕልፎ ዝነበረ ሕማቕ ዕርክነት በቲኹ ካብቲ ገዛ ወጸ።—1 ቈረንቶስ 15:33, 34
ኤዲ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ኣኼባታት ክካፈል ምስ ጀመረ ቅልጡፍ ዕቤት ኣርኣየ። ኣብ ኣከዳድንኡን ኵለንትናዊ ኣቃውምኡን እውን ለውጢ ገበረ: ብዛዕባ እቲ ዝማሃሮ ዝነበረ ድማ ንኣዕሩኹን ኣዝማዱን ክነግሮም ጀመረ። ጸኒሑ: ነቲ “ወንጌል” ብዕሊ ክሰብኽ ምስ ተፈቕደሉ ድማ ሓጐሱ ወሰኸ። (ማቴዎስ 24:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ኣብ ታሕሳስ 1996 ህይወቱ ንየሆዋ ከም ዝወፈየ ብማይ ጥምቀት ምስ ኣርኣየ እታ ንነዊሕ እተጸበያ መዓልቲ መጸት።
ዓመት ዓመት: ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ነቲ “ንእግዚኣብሄር ድለይዎ” ዝብል ዕድመ ይቕበልዎ ኢዮም። ከምዚ ብምግባር ድማ: ንሓቅነት ናይቲ ኣብ ምሳሌ 22:4 ዘሎ “ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርንሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ” ዝብል ኣብ ናብርኦም ይርእይዎ ኢዮም። እወ: እቶም ኣፍቀርቲ ሓቂ ትሕት ኢሎም ብመገዲ የሆዋ ብምምልላስ ሕጂ ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ይረኽቡ ኣለዉ: ነቲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ በረኸት ድማ ብተኣማንነት ይጽበዩ።—መዝሙር 37:29
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ባሕሪ ካሪብያን
ሱሪናም
ጋያና
ናይ ፈረንሳ ጊያና
ብራዚል
[ምንጪ ስእሊ]
ቅርጺ ዓለም:- Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.