ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/7 ገጽ 32
  • “ናይ ሕብረትን ሕውነትን ኣብነት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናይ ሕብረትን ሕውነትን ኣብነት”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/7 ገጽ 32

“ናይ ሕብረትን ሕውነትን ኣብነት”

እዚ ቓላት እዚ ሓንቲ ሰበይቲ ኣባል ስድራቤታ ብሞት ምስ ተፈለየታ ዘጨንቕ ስቓይ ድሕሪ ምሕላፋ ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትገልጽ ከላ እተዛረበቶ ኢዩ። ከምዚ ድማ ትብል:⁠-

“ብስመይን ብስም ስድራቤተይን ኰይነ ነቶም ኣብ ፍረይበርግ: ጀርመን: ናይ ጣልያንኛ ጉባኤ ዘለዉ መሰኻኽር ከመስግኖም እፈቱ። ካብ ስድራቤትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንቶንዮ ሓወይን እታ ኣና ዝስማ በዓልቲ ቤቱን ጥራይ ኢዮም። ኵሉ ግዜ ነኽብሮም እኳ እንተ ነበርና: ነቲ ሃይማኖታዊ ምርጭኦም ግና ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዝና ክነቕፎ ጸኒሕና ኢና።

“ይኹን እምበር: ሕጂ ኣተሓሳስባና ክንልውጥ ተገዲድና ኢና። አረ ፈጺምና ዘይተጸበናዮ ናይ ሕውነትን ፍቕርን ኣብነት ርኢና ኢና።

“እቲ ዘሕዝን ድማ ኣና ኣብ ሰዊት ዕድሚኣ ብሓደጋ መኪና ሞተት። ኣብ ኢጣልያ ስለ እንነብር: ንኣንቶንዮ ሓወይን ንደቁን ክንገብረሎም ዝኸኣልና ምጽንናዕ ድሩት ኢዩ ነይሩ። እቶም መሰኻኽር ኣሕዋቱ ግን ደገፍዎ። ምስኡ ኮፍ ብምባልን ብቓላቶምን ብእምነቶምን ገይሮም ከምኡውን ኣካላውን ሞራላውን ቍጠባውን ደገፍ ብምሃብ ሓገዝዎ። ንዅሎም ኣባላት እታ ጉባኤ በብሓደ ረኺበ ከመስግኖም ስለ ዘይክእል: ነቲ ዘርኣይዎ ዘይንርስዖ ናይ ሕብረትን ሕውነትን ኣብነት ብመጽሔትኩም ኣቢለ ከመስግኖም እፈቱ።”

እቲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘቕረበቶ ሰናይ ርእይቶ ዝምስገን ኢዩ። ከምቲ እተዓዘበቶ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣህጕራዊ ሕውነት ኢዩ ዘለዎም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠17) ፍቕሪ “ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት” ከም ዝዀነት ብምፍላጥ: ኣብ መንጎኦም ጽኑዕ ማእሰር ፍቕሪ የማዕብሉ ኢዮም። (ቈሎሴ 3:⁠14 NW ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንዅላትና ክበጽሓና ዝኽእል ኣዝዩ ዘሕዝን ኵነታት እውን ከይተረፈ: ናብ ኣምላኽን ህዝቡን ኣጸቢቖም ኢዮም ዝጠብቁ።።​—⁠ምሳሌ 18:⁠24፣ መክብብ 9:⁠11፣ ዮሃንስ 13:⁠34, 35

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ