ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/7 ገጽ 32
  • ዘረባኻ ዝቘርጽ ድዩ ወይስ ዘጥዒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘረባኻ ዝቘርጽ ድዩ ወይስ ዘጥዒ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/7 ገጽ 32

ዘረባኻ ዝቘርጽ ድዩ ወይስ ዘጥዒ፧

ኣብዚ አጸጋሚ እዋናት እዚ: ብዙሓት ሰባት “ስቡር ልቢ” ከምኡውን “ቅጥቁጥ መንፈስ” እንተለዎም ዘገርም ኣይኰነን። (መዝሙር 34:⁠18) ስለዚ ኸኣ: ብኣበሃህላ ሃዋርያ ጳውሎስ: ብቐጻሊ ‘ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ምፍጣን’ ከምኡውን ‘ነቶም ድኹማት ምድጋፍ’ ኣድላዪ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠14) ይኹን እምበር ሓደ ብጻይና እንተ ዝብድለና ወይ ድማ ዝዀነ ከቢድ ጌጋ እንተ ዝገብርከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ነቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ምግሳጽ ቅኑዕ ዀይኑ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ምጥንቃቕ የድሊ። ግቡእ ምኽሪ እውን እንተዀነ ቍጥዐ ብዘለዎ ኣገባብ እንተድኣ ተዋሂቡ: ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 12:⁠18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ብምባል ትገልጽ።

ስለዚ እምበኣር: መአረምታ ክንህብ ወይ ድማ ዘይምርድዳእ ክንፈትሕ ምስ እንሓስብ: ነቲ “መልሓስ እቶም ጠቢባን . . . ጥዕና እዩ” ዝብል ናይ ምሳሌ 12:⁠18 ካልኣይ ሓሳባት ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ። ‘መአረምታ እንተ ዘድልየኒ: ብኸመይ ክዋሃበኒ ምደለኹ፧  ’ ኢልካ ኵሉ ግዜ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። መብዛሕትና ካብ ንነቐፌታ ንምትብባዕ ኢና ኣወንታዊ ምላሽ እንህበሉ። ስለዚ ናእዳ ንምሃብ ለጋስ ኩን። እዚ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ በዳሊ ንኸመሓይሽ ይድርኾ ኢዩ: ንዝዋሃብ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ድማ ብዝያዳ ኢዩ መመስገኒ ዝኸውን።

ቓላትና ኵሉ ግዜ ልእመት እተሓወሶ ክኸውን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣድላዪ ኢዩ! ዝፍውስ ቃላት ነቲ ሰማዒ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጻድቕ ይውቅዓኒ: ለውሃት እዩ: ይዝለፈኒ: ዘይቲ ርእሲ እዩ: ርእሰይ ኣይእበዮ” ዝብል እተሰምዖ ስምዒት ከም ዝሓድሮ ኢዩ ዝገብር።​—⁠መዝሙር 141:⁠5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ