ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/4 ገጽ 32
  • ‘ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ፈለጥካ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ፈለጥካ’
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/4 ገጽ 32

‘ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ፈለጥካ’

ብመሰረት እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መጽናዕትታት: ንዕሸላት ምዝራብ: ንኽሓስቡን ንኸማዛዝኑን ግድላት ንኽፈትሑን ዝሕግዝ ክእለቶም ብምሕያል ንዕቤት ኣእምሮኦም ኣዕሚቝ ይጸልዎ ኢዩ። እቲ ዕሸል ምስ ተወልደ ኣብ ዘላ ቀዳመይቲ ዓመት ከምኡ ምግባር ብፍላይ ሓቂ ኢዩ። እታ ኢንተርናሽናል ሄራልድ ትሪቡን እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ገሊኦም ተመራመርቲ ሕጂ “እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እቲ ዕሸል ዝሰምዖም ብዝሒ ቓላት ደሓር ምስትውዓል: ኣብ ቤት ትምህርቲ ንፉዕ ምዃን: ከምኡውን ማሕበራዊ ክእለት ከም ዝረክብ ኣቐዲሙ ዝሕብር ወሳኒ ነገር ኢዩ” ኢሎም ከም ዝኣምኑ ጸብጻብ ሃበት።

ይኹን እምበር: እቲ ዝዝረብ ቃላት ካብ ሰብ ዝወጽእ ክኸውን ኣለዎ። ቴለቪዥን ወይ ረድዮ መተካእታ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ ዝመስል።

ሓንቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋሺንግተን: ሲያትል: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ኒውሮሳይንቲስት: “ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት መትንታት ርክብ ምምስራት ዝጅምረሉ ግዜ ኣዝዩ ቅልጡፍ ከም ዝዀነ: እቲ ናይቲ ዕሸል ሓንጐል ድማ እቲ ናይ መትንታት ርክብ ዝምስርተሉ መገድታት ንምውሳን ቃል ብቓሉ ተመክሮታት ከም ዝጽበ ሕጂ ፈሊጥና ኢና። እዚ መስርሕ እዚ ክሳዕ ክንደይ ቀልጢፉ ከም ዝጅምር ክሳዕ እዚ ቐረባ ግዜ ኣይተገንዘብናን ነይርና። ንኣብነት: ዕሸላት ነቲ ኣብ ናይ ወለዶም ቋንቋ ዘሎ ድምጽታት ደቂ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ኰኑ ጥራይ ኣጽኒዖምዎ ኢዮም” ብምባል ገለጸት።

እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ምርምር: ነቲ ህጻናት ዓሚቝ ፍቕሪ ጥራይ እንተድኣ ተዋሂብዎም ብኣእምሮ ይዓብዩ ኢዮም ዝብል ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣረኣእያ ተቓዊምዎ ኢዩ። ወሲኹውን ኣብ ናይ ሓደ ቈልዓ ዕቤት ግደ ወለዲ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሕ።

እዚ ነቲ “ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ . . . ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ” ዝብል ቃላት ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ መልእኽቲ የዘኻኽረና። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ዕሸል ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከም ብሉጽ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኰይኑ ንኽዓቢ ኣገዳሲ ግደ ዝፈጸመ: እተን ኣመንቲ ዝነበራ ኣዲኡን ዓባዩን እተዛረበኦ ቅዱሳት ጽሑፋት ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 1:⁠5፣ 3:⁠15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ