በጃኻ ኣብ ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ሕበረና ቀዳም 11 ሚያዝያ 1998
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣምላኽ ንወዱ: የሱስ ክርስቶስ: ዝሃበና ውህበት ምስኦም ኴንካ ክትዝክሮ ምዉቕ ዝዀነ ዕድመ የቕርቡልካ ኣለዉ። እዚ ውህበት እዚ ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ከነስተማቕረሉ እንኽእል ተስፋ ከፊቱ ኢዩ።—ዮሃንስ 3:16
ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ዝኽሪ ሞት የሱስ ቀዳም 11 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክበዓል ኢዩ። እቲ ዕለት ብመሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዓውደ-ኣዋርሕ 14 ኒሳን እትውዕለሉ ዕለት ኢዩ። እቲ ልክዕ ቦታን ግዜን ናይቲ ኣኼባ ንምፍላጥ በጃኻ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቲትካ ኣረጋግጽ።
ነዚ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ዘጋጠመ ፍጻመታት ትፈልጦዶ ኢኻ፧