እቲ “ብሓንቲ ኣጻብዕ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ”
ጆሴፍ ሻረሸቭስኪ ሓሚሙ ድሕሪ ምልማሱ: ብሓንቲ ኣጻብዑ እናተጠቕመ: ናይ ጽሕፈት ማኪና ገይሩ ጥራይ ኢዩ ክጽሕፍ ዝኽእል ነይሩ። እንተዀነ ግን ሸቶኡ ወቒዑ ኢዩ: እዚ ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓደ ካብቲ ንወዲ ወጻኢ ክመልኮ ኣዝዩ ዘጸግሞ ቋንቋታት ዝዀነ ቋንቋ ቻይና ምትርጓም ኢዩ ነይሩ።
እዚ ብትውልዲ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ሻረሸቭስኪ በጽሒ ምስ ኰነ ንክርስትና መርሚሩ ተቐበሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ቻይና ሚስዮናዊ ዀነ። ኣብኡ ኸኣ: ካብ መጀመርታ 1866 ኣትሒዙ ክሳዕ እተን ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝነበራ ናይ ፈለማ ዓመታት ኣብ ብዙሕ ናይ ትርጕም ፕሮጀክትታት ተኻፊሉ ኢዩ። ሻረሸቭስኪ መበቈሉ ኣይሁዳዊ ብምዃኑ: ካብቶም መተዓይይቱ ዝነበሩ ምሁራት ንላዕሊ ዝያዳ ምስ እብራይስጢ ሌላ ነበሮ። በዚ ድማ: ንምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ክትርጕም ሓላፍነት ተቐበለ። ኣብ ኣጋ ምውዳእ ናይቲ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ሞያኡ: ብቛንቋ ቻይና ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መጣቐሲኡ እውን ኣዳለወ።
ጆሴፍ ሻረሸቭስኪ ከም ተርጓሚ መጽሓፍ ቅዱስ መጠን: በቲ ተራ ቋንቋ ትርጕማት ክህሉ ኣለዎ ዝብል ሓያል ተጣባቒ ኢዩ ነይሩ። ዕዮኡ ግን ቀሊል ኣይነበረን። እታ ዘ ቡክ ኦቭ ኤ ሳውዛንድ ታንግስ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ: ነቲ ብቛንቋ ቻይና እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበሮ ኣበርክቶ ፍሉይ ኢዩ: “ምኽንያቱ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ኣዝዩ ዝቐለለ ከምኡውን ብዙሕ ዕንቅፋት እናሃለወ እተዳለወ ኢዩ ነይሩ” ብምባል ትገልጽ።
ሻረሸቭስኪ ኣእዳዉ ድሕሪ ምልማሰን: ገና ዕዮኡ ቀጺሉ ኢዩ። ንኣእዳዉ ግቡእ ገይሩ ክጥቀመሉ ስለ ዘይክእል: ማኪና ገይርካ ምጽሓፍ ብዙሕ ጻዕሪ ሓቲትዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ነዚ ትርጕም እዚ ብሓንቲ ኣጻብዕ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ኢሉ ዝጸውዖ። ሻረሸቭስኪ ስንክልና እናሃለዎ ክነሱ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ከዳሉ ን25 ዓመታት ከይተሓለለ ጽዒሩ ኢዩ። ኢዱ ከይሃበ: ቃል ኣምላኽ ብቛንቋ ቻይና—ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ቋንቋታት ንላዕሊ ብብዝሒ ዝዝረበሉ ቋንቋ—ርዱእ ከም ዝኸውን ኣብ ምግባር ግዲኡ ገይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ክልቲኡ ስእልታት:- Courtesy of American Bible Society Archives