ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/3 ገጽ 32
  • ናእዳ ዘትረፈ “ፍሉይ” ዓቢ ኣኼባ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናእዳ ዘትረፈ “ፍሉይ” ዓቢ ኣኼባ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/3 ገጽ 32

ናእዳ ዘትረፈ “ፍሉይ” ዓቢ ኣኼባ

ኣብ ሊማ: ፔሩ ዝርከብ ሓደ ናይ ረድዮ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምጥርጣር ነበሮ። ኣብ ሓደ ካብ ኣውራጃዊ ኣኼባታቶም ምስ ተኻፈለ ግን: ኣረኣእያኡ ሃንደበት ተቐየረ። ካብ ምምሳጡ እተላዕለ ድማ ነቶም ናይ ረድዮ ሰማዕቱ ናይ ናእዳ ርእይቶታት ኣቕሪብሎም ኢዩ። ቀጺሉ ዘሎ ካብቲ ዝበሎ እተወስደ ኢዩ:⁠-

“እቲ ዓቢ ኣኼባ ብሓቂ ኣዝዩ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ምድሪ ቁራጽ ወረቐት እውን ትኹን ኣይወደቐትን: ኣብቲ ኣኼባ እናዞረ ዝሽቅጥ ሰብ ድማ ኣይነበረን። ናይ ማካይን ሕንፍሽፍሽ ኣይነበረን። ሓሙሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰባት ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢ ናብቲ ስታድዩም ከዱ: ነፍሲ ወከፎም ድማ ነቲ ቦታ መሕጸብን መፋሕፍሕን ዝኸ​ውን ሳንኬሎ: ቁራጽ ጨርቂ: መወልወሊ: መሕፈሲ ጐሓፍ: መዀስተር: ኣስባስላ: ናይ ኢድ ጓንቲ: ከምኡውን መጽረዪ ኬሚካላት ነበሮ። ምልካይ ዘደልዮ ነገር ምስ ዝህሉ ድማ ይለኽይዎ ነበሩ። ገንዘብከ ካበይ ረኸቡ፧ ካብኣቶም እተረኽበ ኢዩ! ብዛዕባ ክግበር ዘድሊ ነገር ምስ ዝሕበሩ: ኵሎም ብቐልጡፍ ጁባታቶም ሃሰስ ይብሉ። ብሓቂ ኢየ ዝብለኩም: ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ከምዚ ዝበለ ነገራት ክመጽእ ከሎ ተጽቅጥ ኢያ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንኣወሃሃድቲ ናይዚ ኣኼባ እዝን እንቋዕ ኣሐጐሰኩም ክብሎም እፈቱ። ካብ መዓሙቝ ልበይ ዝነቐለ ድማ: ኣምላኽ ይሓግዝኩምን ይባርኽኩምን ክብሎም እፈቱ።”

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ከተማታት: “ኣምላኻዊ ናብራ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ክህልዎም ኢዩ። ኣብኡ ክትርከብ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣብቲ ምድሪ ቁራጽ ወረቐት እውን ትኹን ኣይወደቐትን”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ