ስለምንታይ ኢዮም ከምኡ ዝገብሩ፧
ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኣሽሓት ኰይኖም ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ይእከቡ። ኣብኡ ድማ: ሕውነት የስተማቕሩ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዝሓዘለ ጠቓሚ ፕሮግራም ከኣ ይሰምዑ። ገሊኣቶም ኣብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ንምክፋል ብዙሕ ጻዕርታት ኢዮም ዝገብሩ። ንኣብነት: ዝሓለፈ ዓመት ዕድሚኦም ኣብ መፋርቕ 60ታት ዝዀነ ሰብኣይን ሰበይትን: ምስ ወዶምን በዓልቲ ቤቱን ውሉዳን ብምዃን: ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ብብሽክለታ 80 ኪሎ ሜተር ተጓዕዙ። ካብ ዓዶም ሰዓት ሽዱሽተ ንግሆ ተበጊሶም ድሕሪ 15 ሰዓታት ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ በጸሑ።
ኣብ ሞዛምቢክ: ሓደ ጕጅለ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ንምክፋል ሰለስተ መዓልትታት ብብሽክለታ ተጓዕዙ። ሓደ ለይቲ: ኣብ ጐልጐል ደቂሶም ከለዉ ናይ ኣናብስ ምጕዛም ናብኦም እናቐረበ ክመጽእ ሰምዑ። ሓዊ ወሊዖም ክሰጕዎም እኳ እንተ ፈተኑ: እቶም ኣናብስ ምድሪ ክሳዕ ዝወግሕ ከቢቦምዎም ደው በሉ። ናብቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ ዝጓዓዝ ዝነበረ ካልእ ምስክር ድማ ኣብ መገዲ ሓደ ኣንበሳ ተጓነፎ። እቲ ኣንበሳ ክሳዕ ዝኸይድ ከይተንቀሳቐሰ ብህድኣት ስቕ ኢሉ ደው በለ። እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ‘ካብ ኣፍ ኣንበሳ’ ብኸመይ ከም እተናገፉ ተሓጒሶም ኣዘንተዉ።—2 ጢሞቴዎስ 4:17
ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል ወይ ድማ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣምልኾ ንምክያድ ምእንቲ ክእከቡ ብዙሕ ጻዕርታት ኢዮም ዝገብሩ። ስለምንታይ፧ እዘን ቀጺለን ዘለዋ ዓንቀጻት ብሓንሳእ ምእካብ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ንኽትርዳእ ክሕግዛኻ ኢየን።