ኣምላኽ ንዓለም ከጥፍኣ ድዩ፧
ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከም ዝበልዎ: ደቅሰብ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ እምንቶ ብምሕዳር ብተስፋ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ብምልኡ ታሪኽ ደቅሰብ: “ሰባት ምናልባትውን ልዕሊ ናይቶም ቅድሚ ማይ ኣይሂ ተገሊጾም ዘለዉ ሰባት ዝበዝሕ ሓጢኣት ንምግባር ቀጺሎም ኢዮም” ብምባል ጠቐሱ። ይኹን እምበር: እቶም ጳጳስ “ኣምላኽ ነዛ ባዕሉ ዝፈጠራ ዓለም ንኸጥፍኣ ክደፋፍኦ ዝኽእል ሓጢኣት ሕጂ ከም ዘየለ ካብተን ንኖህ ኪዳን ክኣትወሉ ከሎ እተዛረበን ቃላት ክንግንዘብ ንኽእል ኢና” ብምባል ገለጹ።
ኣምላኽ ንዓለም ፈጺሙ ኣይከጥፍኣን ኢዩ ዝበሃል ሓቂ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ እቲ ማይ ኣይሂ: ኣምላኽ ንኖህ “ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእን: ንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን” ከም ዝበሎ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 9:11) እቶም ጳጳስ: ኣምላኽ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ: “[ንምድሪ] ንኸየጥፍኣ ንገዛእ ርእሱ ቃል ኣትዩ” ብምባል ይዛረቡ።
መጽሓፍ ቅዱስ: ፕላኔትና ክትጠፍእ ፈጣሪ ከም ዘይፈቅድ ኣነጺሩ ገሊጹ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም” ይብል። (መክብብ 1:4) እንተዀነ ግን እቶም ጳጳስ ዘይገለጽዎ: ካብቲ ኣብ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ዅነታት ዝርከብ ብዙሕ ካልእ ትምህርቲ ኣሎ።
የሱስ “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ:” ሰባት ድማ ‘ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ዘይፈለጡ:’ ኣብ ግዜ መጻኢ ህላወኡ ኣብ ምድሪ ዝህሉ ዅነታት ድማ ከምኡ ከም ዝኸውን ተዛረበ። (ማቴዎስ 24:37-39) ብተመሳሳሊ: ሃዋርያ ጴጥሮስ ልክዕ ከምታ ‘ሽዑ ዝነበረት ዓለም በቲ ማይ: ተሰጢማ ዝጠፍአት’ ከምኡውን ሕጂ “መዓልቲ ፍርድን . . . ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን” ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም የንጸላሉ ከም ዘሎ ጸሓፈ።—2 ጴጥሮስ 3:5-7
የሱስን ጴጥሮስን ነቲ ኣምላኽ ንኖህ ዝኣተወሉ ኪዳን ረሲዖምዎዶ ኢዮም፧ ፈጺሞም ኣይረስዕዎን! ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ንኖህ ኪዳን ክኣትወሉ ኸሎ ዝገለጾ: ነዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ንምጥፋእ ናይ ማይ ጥፍኣት ኣይጥቀምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ንሓይሊ ናይቲ ‘ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትን’ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክጥቀም ኢዩ። (ራእይ 19:11-21) ስለዚ እምበኣር: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ምድሪ ኣይክትጠፍእን ኢያ: እታ ናይ ደቅሰብ እክይቲ “ዓለም” ግን ብዘይ ጥርጥር ክትጠፍእ ኢያ። (ምሳሌ 2:21, 22፤ ራእይ 11:18) ብድሕርዚ: “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29