“ካብቲ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኢንተርሊንያር እቲ ዝበለጸ ኢዩ”
ዶክተር ጀይሰን ቤዱን ነቲ ዘ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትራንዝሌሸን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸረስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ገይሩ ገለጾ። ከምዚ ኢሉ ድማ መብርሂ ይህብ:-
“ኣብቲ ኣብ ብሉሚንተን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ] ዘሎ ናይ ኢንድያና ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ሃይማኖታዊ መጽናዕቲ ሕጂ ኢየ ምሂረ ወዲአ። . . . እዚ ብኣውራኡ ንወንጌላት ዝምልከት ትምህርቲ ኢዩ። ብመልክዕ ቅዳሓት ናይ ዘ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትራንዝሌሽን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸርስ ሓገዝኩም ረኺብና ኢና: ተማሃሮይ ድማ ከም ሓደ ናይ መምሃሪ መጻሕፍቶም ገይሮም ይጥቀምሉ ኣለዉ። እዘን ንኣሽቱ መጻሕፍቲ እዚኣተን ኣብቲ ትምህርቲ ኣዝየን ኣድለይቲ: ኣብ ተማሃሮይ ድማ ኣዝየን ፍቱዋት ኢየን።”
ዶክተር ቤዱን ነቲ ናይ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትርጕም ኣብቲ ዝምህረሉ ዝነበረ ኮለጅ እተጠቕመሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምዚ ኢሉ ይምልስ:- “ብቐሊል ኣገላልጻ ካብቲ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኢንተርሊንያር እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ተመክሮ ዘሎኒ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ኢየ: ኣብቲ ዝግበር ዘመናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምስቲ ጥቕስታትን መሳርሒታትን ሌላ ኣሎኒ: ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣባል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይኰንኩን። እንተዀነ ግን: ጽቡቕ ሕታም ኣየናይ ምዃኑ ብቐሊሉ እፈልጥ ኢየ: ናትኩም ‘ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኮሚተ’ ድማ ስርሑ ብግቡእ ፈጺሙ ኢዩ። እቲ ዘዳሎኹምዎ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ኢንተርሊንያር ልክዕ: ከምኡውን እቲ ኣንባቢ ነቲ ኣብ መንጎ ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረብ ዓለምን ናትናን ዘሎ ናይ ቋንቋ: ባህሊ: ከምኡውን ናይ ትሕዝቶ ጽሑፍ ፍልልይ ብቐጻሊ ኣጸቢቑ ንኽሓስበሉ ዝድርኾ ኢዩ። ዘዳለኹምዎ ‘ትርጕም ሓዳስ ዓለም’ ብሉጽ ትርጕም ኢዩ: ከምኡውን ብልክዕ ካብ ቋንቋ ግሪኽ እተተርጐመ ብምዃኑ ነቲ ኰነ ኢልካ ዝግበር ልሙድ ጌጋ ዘርሕቕ ቃል ብቓል እተዳለወ ትርጕም ኢዩ። ብብዙሕ መገድታት ካብቲ ሎሚ ኣብ ዝዝውተር ዘሎ ጽቡቕ ትርጕማት ጸብለል ዝበለ ኢዩ።”
ዘ ኪንግደም ኢንተርሊንያር ትራንዝሌሽን ኦቭ ዘ ግሪክ ስክሪፕቸረስ ነቶም ኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ምስቲ በዅሪ ትሕዝቶ ናይ ግሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽላለዩ ንምሕጋዞም ተባሂሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ኣብቲ በዅሪ ግሪኽ ንዘሎ ሓድሽ ኪዳን ብወገን ጸጋም ናይቲ ገጽ ኣስፊርዎ ኣሎ (ብቢ. ኤፍ. ዌስትኮትን ኤፍ. ጀይ. ኤ. ሆርትን እተዳለወ)። ኣብ ትሕቲ መስመራት ናይቲ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ ቃል ብቓል እተተርጐመ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ኣሎ። ብወገን የማን ኣብ ዘሎ ጸቢብ ዓምዲ ድማ ነቲ ናይ ኢንተርሊንያር ትርጕም ምስ ዘመናዊ ትርጕም ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንምውድዳር ዝሕግዝ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣሎ።