ኣፍ ዘትሕዝ መልሲ
ካቶሊክ ሄራልድ እተባህለ ናይ ብሪጣንያ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ካብ ሓደ ኣብ ዌልስ ዝቕመጥ ኣንባቢ ዝመጸ እዚ ዝስዕብ ደብዳበ ሓቲማ ነበረት:- “ሓደ ምሸት: ክልተ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንገዛይ መጹ። ንሓቅነት ናይቲ ዝጠቕስዎ ዝነበሩ ሓድሽ ኪዳን ዘረጋገጸቶ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ምንባራ ነገርክዎም። እቲ ዘገረመኒ ድማ: ሓደ ካብኣቶም ምስቲ ዝበልኩዎ ተሰማምዐ። ከምዚ ድማ በለኒ:- ‘እወ: ሓቅነቱ ዘረጋገጽኩም ንስኻትኩም ኢኹም: ግናኸ ኣይትስዕብዎን ኢኹም። የሱስ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም [ተፋቐሩ]” ኢሉ ኸብቕዕ: ንስኻትኩም ግን ንሓድሕድኩም ትቃተሉ። ኣብዚ ዝሓለፈ ውግእ: ካቶሊክ ንካቶሊክ ቀቲሎም: [ንብጻዩ] ምስክር ዝቐተለ ናይ የሆዋ ምስክር ግን ኣይነበረን።’ እወ ሓቅኻ እንተ ዘይኰይኑ: እንታይ ኢየ እሞ ኽብል፧ ኣብ ንሓድሕድና ናይ ሓቂ ሓድነት ዘይብልናስ: ከመይ ኢልና ኢና እሞ ምስቶም ‘ካቶሊክ ዘይኰኑ ካልኦት ክርስትያናት’ ሓድነት ንኽንገብር ክንጽሊ እንኽእል፧ መጀመርታ ነዚ ኣብ መንጎና ዘሎ ዘሕፍር ተግባር ከነዕሪዶ ኣይምተገብኣናን፧”—ዮሃንስ 15:12
እቲ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እተገብረ ክልተ ውግኣት ዓለም ኣብ ውሽጢ ህዝበ-ክርስትያን ኢዩ ጀሚሩ: ካብ 50 ክሳዕ 60 ሚልዮን ዝበጽሕ ህይወት ድማ ቐዚፉ ኢዩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ውግኣት እዚ ኣይተኻፈሉን: ኣብዚ እዋን እዚ ይፍጸም ኣብ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ግርጭት ኣይኣትዉን ኢዮም ክበሃል ይከኣል ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዝርከቡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጠርኒፍዎም ዘሎ ናይ ክርስትያናዊ ፍቕርን ሓድነትን ሓያል ማእሰር ዝያዳ ምፍላጥ ንዓኻ ዝጠቅም ኢዩ።—ምስ ኢሳይያስ 2:4 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
U.S. National Archives photo