ልደት ዓለማዊ በዓል ድዩ ወይስ ሃይማኖታዊ ቅዱስ መዓልቲ፧
ኣብ ቻይና ክሪስትማስ ኦልድ ማን ኢሎም ይጽውዕዎ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፋዘር ክሪስትማስ ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብ ሩስያ ዘለዉ ሰባት ድማ ግራንድፋዘር ፍሮስት ዝብል ስም ኢዮም ዝጥቀሙ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ሳንታ ክላውስ ኢዩ ዝበሃል።
ብዙሓት ሰባት ነዚ ገዚፍ ከብድን ጻዕዳ ጭሕምን ዘለዎ ፍሽሕው ዝገጹ ኣረጊት ሰብኣይ ከም ምልክት ልደት ገይሮም ኢዮም ዝወስድዎ። ይኹን እምበር ሳንታ ክላውስ ጽውጽዋይ: ምስቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ናይ ሚራ (ኣብ ዘመናዊት ቱርኪ እትርከብ) ኣቡን እተተሓሓዘ ልምድታት ዝመሰረቱ ኣፈ-ታሪኽ ምዃኑ ኵሉ ዝፈልጦ ኢዩ።
ልምድታትን ባህልታትን ኵሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ በዓላት ሓያል ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ: ልደት ድማ ካብዚኣቶም ዝፍለ ኣይኰነን። እዚ ናይ ሳንታ ጽውጽዋይ: ናይቲ ምስ ውሩይ በዓል እተተሓሓዘ ልምዲ ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢዩ። ገለ ሰባት ምስ ልደት እተተሓሓዘ ልምድታት ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ፍጻመታት እተመስረተ ኢዩ ዝብሉ እኳ እንተዀኑ: ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን ዝበዝሕ ካብዚ ልምድታት እዚ ኣረማዊ ምንጪ ዘለዎ ኢዩ።
ካልእ ተወሳኺ ኣብነት ከኣ ናይ ልደት ጽሕዲ ኢዩ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ኣብቶም ኣረማውያን ደቂ ኣውሮጳ ልሙድ ዝነበረ ናይ ገረብ ኣምልኾ: ናብ ክርስትና ድሕሪ ምቕያሮም ድማ በቲ ኣብ ሃገራት ስካንዲኔቭያ ኣብ እዋን ሓድሽ ዓመት ድያብሎስ ፈሪሁ ምእንቲ ኽሃድም ተባሂሉ ንገዛን መኽዘን እኽልን ብልሙዕ ኣቝጽልቲ ናይ ምስላም ከምኡውን ኣብ ግዜ ልደት ኣዕዋፍ ንኸጽልላሉ ገረብ ናይ ምድላው ልምድታት ተተኪኡ ቀጸለ።”
ካብ ሆሊ እተባህለ ተኽሊ ወይ ካብ ካልእ ዓይነት ልሙዕ ኣቝጽልቲ እተዳለወ ኣኽሊል ምግባር ድማ: ካልእ ኣብ ልደት ዝግበር ዝውቱር ልምዲ ኢዩ። እዚ እውን እንተዀነ: ኣብ ኣረማዊ ኣምልኾ ኣጸቢቑ እተመስረተ ኢዩ። ናይ ጥንቲ ሮማውያን ኣብ እዋን ሳቱርናሊያ: ኣብ መፋርቕ ክረምቲ ነቲ ኣምላኽ ሕርሻ ዝበሃል ሳቱርን እተወፈየ ናይ ሸውዓተ መዓልትታት በዓል: ንኣብያተ-መቕደስ ብጨናፍር ናይ ሆሊ ገይሮም ይስልምዎ ነበሩ። እዚ ኣረማዊ በዓል እዚ ብፍላይ በቲ ሽዑ ዝግበር ቅጥዒ ዘይብሉ ቀይዲ በተኽ ድግስን ጾታዊ ብዕልግናን እተፈልጠ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ትሕቲ ኣኽሊል ናይ ሚሰልቶ እተባህለ ተኽሊ ዝግበር ናይ ምስዕዓም ልምዲ (ኣብዚ ተሳኢሉ ዘሎ) ንገሊኦም ሰባት ናይ ፍቕሪ መልእኽቲ ዘለዎ ክመስሎም ይኽእል ይኸውን: ግናኸ ምንጩ ካብቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ዝነበረ ናይ ቀደም ልምዲ ኢዩ። እቶም ኣብ ጥንታዊት ብሪጣንያ ሰረይትን ጠንቈልትን ምንባሮም ዝንገረሎም ሰባት ሚሰልቶ እተባህለ ተኽሊ ናይ ጥንቈላ ሓይሊ ከም ዘለዎ ይኣምኑ ነበሩ፣ በዚ ኸኣ: ካብ ኣጋንንቲ: ሽሕር: ከምኡውን ካብ ካልእ ዓይነት እከይ ከም መከላኸሊ ይዝውተር ነበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ: ኣብ ትሕቲ ሚሰልቶ ኴንካ ምስዕዓም ናብ መርዓ ይመርሕ ኢዩ ዝብል ማሪት ተጀመረ። እዚ ተግባር እዚ ክሳዕ ሎሚ ሰባት ኣብ ግዜ ልደት ዘዘውትርዎ ፍሉጥ ልምዲ ኢዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ነገራት ገለ ካብቲ ብኣረማዊ ትምህርትታት እተጸልወ ወይ መበቈሉ ብቐጥታ ካብ ኣረምነት ዝዀነ ኣብ ዘመናዊ ልደት ዝዝውተር ልምድታት ኢዩ። እዚ ዅሉ ግን ከመይ ኢሉ መጸ ብምባል ትግረም ትኸውን። ልደት ክርስቶስ ንምዝካር ተባሂሉ ዝበዓል በዓል ክርስትያናዊ ምስ ዘይኰነ ባህልታት ኣዝዩ እተጠናነገ ብኸመይ ኢዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ድማ: ኣምላኽ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ፧
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ገጽ 3:- ሳንታ ክላውስ:- Thomas Nast/Dover Publications, Inc., 1978; ኣብ ገጽ 3 ዘላ ተኽሊ ሚሰልቶ ከምኡውን ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእላዊ መግለጺ:- Discovering Chirstmas Customs and Folklore by Margaret Baker, published by Shire Publications, 1994