እተን ዓሰርተ ትእዛዛት
ናይ ዓዲ እንግሊዝ ኣቡን ግሎስተር: እቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ካህናት ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ክደግምወን ከም ዘይክእሉ: ካብኦም 10 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ድማ ኣበየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ ከም ዝርከባ ዘይፈልጡ ኰይኖም ረኸቦም። እንተዀነ ግን እዚ ቅድሚ 450 ዓመታት እተገብረ መጽናዕቲ ኢዩ። ካብኡ ንድሓር ግን እቲ ዅነታት ተመሓይሹዶ፧ ከምቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ካህናት ዓዲ እንግሊዝ እተገብረ ሓርፋፍ መጽናዕቲ ናይ ጋዜጣ ሳንደይ ታይምስ [እንግሊዝኛ] ዝገልጾ ፈጺሙ ምምሕያሽ ኣየርኣየን።
ካብቶም ቃለ-መጠይቕ እተገብረሎም 200 ካህናት: 34 ካብ ሚእቲ ጥራይ ንዅለን እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ክወጹወን ከኣሉ። ካብ መንጎ እቶም ዝተረፉ ሓደ ኸኣ: ፈጺመን ኣሉታውያን ከም ዝዀና ተሰምዖ: ሓደ ካልእ ድማ ነዚ ዘመናዊ ናይ ስነ-ምግባር ብድሆታት ከም ዘይበቕዓ ገይሩ ብምድምዳም ካብ ሓሳቡ ኣውጽአን።
እተን ዓሰርተ ትእዛዛት እንታይ ከም ዝብላ ወይ እውን ኣበይ ከም ዝርከባ ትፈልጥዶ፧ ኣብ ዘጸኣት ማለት ኣብታ ኻልኣይቲ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዕራፍ 20 ኣብተን ቀዳሞት 17 ቍጽርታት ተመዝጊበን ኣለዋ። ስለምንታይ ዘይተንብበን፧ ንምጥርናፈን ዘኽእል ቀሊል መገዲ እነሆ። እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ነቲ ንኣምላኽ እንህቦ ኣምልኾ ዝገልጻ ኢየን: እታ ሓምሸይቲ ንናብራ ስድራቤት እተጕልሕ ኢያ: ካብ ቍጽሪ ሽዱሽተ ክሳዕ ትሽዓተ ድማ ነቲ ምስ ብጻይና ዘሎና ዝምድና ዘመልከታ ኢየን: እታ ዓስረይቲ ኸኣ ኣልባብ ገዛእ ርእስና ኽንፍትሽን ዝንባለታትና ኽንምርምርን እትገብረና ዀይና: ፍልይቲ ኢያ። ክርስትያናት ነዚ ስርዓታት እዚ ብኸመይ ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ሓጺር ጽማቝ ሓሳባት እነሆ።
ቀዳማይ:- ንፈጣሪና ፍሉይ ተወፋይነት ሃቦ። ካልኣይ:- ኣብ ኣምልኾ ምስልታት ኣይትጠቐም። ሳልሳይ:- ኵሉ ግዜ ንስም ኣምላኽ ኣኽብርን ክብ ኣብልን። ራብዓይ:- ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ከይተዓናቐፍካ ንኸተስተንትን ግዜ መድብ። ሓምሻይ:- ቈልዑ ንወለድኹም ኣኽብሩ። ሻድሻይ:- ኣይትቕተል። ሻብዓይ:- ካብ ዝሙት ርሓቕ። ሻምናይ:- ኣይትስረቕ። ታሽዓይ:- ሓቂ ተዛረብ። ዓስራይ:- ገንዘብ ብጻይካ ምምናይ ንየው በሎ።
እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ክፍሊ ናይቲ ንሙሴ እተዋህበ ሕግታት ኢየን ነይረን። ይኹን እምበር እቲ ሒዘናኦ ዘሎዋ ስርዓታት ግዜ ዘይግድቦ ኢዩ። (ሮሜ 6:14፣ ቈሎሴ 2:13, 14) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዮም ሰዓብቲ የሱስ ካብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዝጠቕሱን ናብቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ዘመልክቱን ዝነበሩ። (ሮሜ 13:8-10) ኵሉ ሰብ ነዚ መለኮታዊ መንፈስ ዝነፈሶ ስርዓታት እዚ እንተ ዘኽብርን ብእኡ እንተ ዝምራሕንሲ ሎሚ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ኰን ሕጕስትን እተዓቝበትን ምዀነት!