ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/11 ገጽ 3-4
  • ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ክትመጽእ ሃረር ትብልዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ክትመጽእ ሃረር ትብልዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ይግባእ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንዜጋጥመካ ዘይፍትሓዊ ተግባር ክትጻወሮ ትኽእል ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ፍትሒ ንምርካብ ዚቐርብ ጥርዓንሲ ተሰማዕነት ኪረክብ ድዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/11 ገጽ 3-4

ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ክትመጽእ ሃረር ትብልዶ፧

ሰለስተ ደቐልን ብኽልተ ወገና ከፋት ባይታን ዘለዋ ሓንቲ ናይ ዕንጸይቲ መርከብ ናብ ገማግም ናይቲ ሕጂ ኬፕ ኮድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ማሳቹስትስ: ሕ.መ.ኣ. ዝርከብ ቦታ ትቕልቀል። እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ባሕረኛታትን 101 ገያሾን ኣብ ባሕሪ ን66 መዓልትታት ብምጽንሖም ደኺሞም ነበሩ። ካብ ሃይማኖታዊ መስጐጕትን ቁጠባዊ ጸገምን ከምልጡ ብምድላዮም ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ናይ ምስጋር ኣሸጋሪ ጕዕዞ ገበሩ።

ገያሾ ናይዛ መይፍላወር እትበሃል መርከብ 11 ሕዳር 1620 መሬት ምስ ረኣዩ: ሓድሽ ምጅማር ክህልዎም ተስፋ ካብ ምግባር እተላዕለ ኣዒንቶም በርሀ። ናይ ዝሓሸት ዓለም መሰረት ከንብሩ ባህጊ ብምሕዳር: ዝበዝሑ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ደቂ ተባዕትዮ ገየሽቲ በጽሕታት: ውዕል መይፍላወር ፈረሙ። ኣብዚ ውዕል እዚ “ንጥቕሚ ናይቲ ግዝኣት ዝኸውን ፍትሓውን ኣድልዎ ዘይብሉን ሕግታት” ከውጽኡ ተሰማምዑ። ብስነ⁠-ምግባራዊ መገዲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅንዕትን ርትዓዊትን ዝዀነት ዓለም​—⁠ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም​—⁠ንምምጻእ ዝነበሮም ሕልሚ ተጋሂዱዶ፧

እቲ ኣብ መይፍላወር እተፈረመ ውዕል ሓደ ካብቲ መሰረት ኣገባብ ምምሕዳር ኣመሪካ ከም ዝዀነ ገይርካ ዝርአ እኳ እንተዀነ: ልክዕ ከም ኣብ ካልእ ክፍሊ ዓለም ኣብ ኣመሪካ እውን ዘይፍትሓውነት ልሙድ ተርእዮ ኢዩ። ንኣብነት: ሰሪቑ ንሓደ በዓል ድኳን ተኲስሉ ክሃድም ክፍትን ከሎ ፖሊስ ተኲሶም ዘቝሰልዎ ሓደ ሰብኣይ ርአ። ንፖሊስን ከተማ ኒው ዮርክን ከሲሱ ሚልዮናት ዶላራት ካሕሳ ተቐበለ።

ካልእ ኣብነት ድማ ርአ። ኣብ ፓስደን: ካሊፎርንያ ናይ ሕጊ ተማሃሮ ንሞያ ጥብቅና ዝምልከት ፈተና እናገበሩ ኸለዉ ሓደ ካብኣቶም ሃንደበት ሓሚኑ ወደቐ። ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ክልተ ተማሃሮ ተሓጋጋዝቲ ሓካይም ክሳዕ ዝመጹ ተቐላጢፎም ንፋስ ከም ዝረክብ ብምግባር ሓገዝዎ። ነቲ ሰብኣይ ኣብ ምሕጋዝ 40 ደቒቕ ኣሕለፉ። ነቲ ፈተና ምእንቲ ኽውድእዎ መተካእታ ዝኸውን ግዜ ምስ ሓተቱ ግን: እቲ ሓላፊ ግዜ ምሃብ ኣበዮም።

ንገበን ዝዋሃብ መቕጻዕቲ ዝምልከት ጕዳይ እውን ኣሎ። አድ ሩበንስታይን እተባህለ ናይ ቁጠባ ተንታኒ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:⁠- “ዝበዝሕ ገበናት ኣብ ማእሰርቲ ፈጺሙ ኣይበጽሕን ኢዩ። ዝበዝሑ ካብቶም እተኣስሩ ድማ ሕጋዊ መቕጻዕቲ ኣይቅበሉን ኢዮም። ዝበዝሑ ካብቶም ገበነኛታት ኰይኖም እተረኽቡ ኸኣ ኣብ ዝባኖም ዝጸንሕ ፍርዲ ጥራይ ኢዮም ዝቕበሉ። ሓደ ገበነኛ ክወርደኒ ኢዩ ኢሉ ዝጽበዮ መቕጻዕቲ ርግጽ ዘይኰነስ: ምናልባት ደዀን ኢዩ።” ሩበንስታይን ንስርቂ ዝምልከት ጭብጥታት ብምጥቃም ሓደ ሰራቒ “ልዕሊ 98 ሚእታዊት ካብ ማእሰርቲ የምልጥ ኢዩ” ብምባል መደምደምታ ይህብ። ዝግባእ መቕጻዕቲ ዘይዋሃብ ምዃኑ ገበንን ግዳያት ገበንን ናብ ምብዛሕ ኢዩ ዝመርሕ።​—⁠መክብብ 8:​11

ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ድኻ ሓፋሽ ህዝቢ ቁጠባዊ ዘይፍትሓውነት ከጋጥሞ ኸሎ ውሑዳት ሃብታማት ግና ሃብቲ እናደለቡ ይኸዱ። ሰባት ብሰንኪ ሕብሪ ቘርበቶም: ዓሌታዊ መበቈሎም: ጾታኦም: ወይ ብሰንኪ ሃይማኖቶም ኵነታት ናብርኦም ንኸመሓይሹ ወይ ገዛእ ርእሶም ንኸናብሩ እውን ከይተረፈ ዘለዎም ኣጋጣሚ ሒደት ምስ ዝኸውን ከምዚ ዝበለ ዘይፍትሓውነት ይውስኽ ኢዩ። ንኣብነት: ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ከም ዝበሎ “ኣብቲ ብእምነት ሂንዱ ዝዕብለል ደቡብ እስያ​—⁠መብዛሕትኦም ኣብ ህንድን ኔፓልን​—⁠ዝርከቡ ዳርጋ ርብዒ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ተወሊዶም ክሳዕ ዝሞቱ ፍንፉናት ተባሂሎም በቲ ማሕበረሰብ ይንጸሉ።” ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ብድኽነትን ጥሜትን ሕማምን ይቕዘፉ ኣለዉ። ዘይፍትሓውነት ምሉእ ህይወቶም የሰንዮም።

ብዛዕባ እቲ ክንዮ ዓቕሚ ሰብ ዝመስል ዘይፍትሓውነትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ እቶም ብውርሻ ዝመሓለለፍ ጕድለት​—⁠ዑረት: ናይ ኣእምሮ ዕቤት ምድሓር: ወይ ኣካላዊ ስንክልና​—⁠ሒዞም ዝውለዱ ሕጻናት እሞ ሕስብ ኣብል፧ ሓንቲ ኣደ ኣብ ጥቕኣ ዘለዋ ኣንስቲ ጥዑያት ዕሸላት ክሓቝፋ ኸለዋ ንሳ ግን ውሉዳ ሓንካስ ኰይኑ ወይ ሞይቱ ክውለድ ከሎስ ናይ ዘይፍትሓውነት ስምዒት ኣይስምዓንዶ፧

እቲ ዘሕዝን: ዘይፍትሓውነትን ሳዕቤናቱን​—⁠ብርቱዕ ስቓይ: ስእነት ሰላምን ሓጐስን ዕግበትን​—⁠በዚሑ ኢዩ። በቲ ዝርእይዎ ወይ ዘሕልፍዎ ዘይፍትሓውነት እተቘጥዑ ብዙሓት ሰባት ንዓመጽ ከም ኣማራጺ መገዲ ተጠቒሞምሉ ኢዮም: እዚ ድማ ንሰብኣዊ ስቓይ ኣግዲድዎ ጥራይ ኢዩ። ዝበዝሕ ውግእ ብሰንኪ ርኡይ ዘይፍትሓውነት እተበገሰ ኢዩ።

ሰብ ፍትሒ ዝሰፈና ዓለም ከምጽእ ዓቕሚ ዝሰኣነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ከምዚኣ ዝበለት ዓለም ሕልሚ ጥራይ ድያ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Corbis-Bettmann

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ውዕል መይፍላወር ምፍራም

[ምንጪ ስእሊ]

Corbis-Bettmann

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ