ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/11 ገጽ 32
  • “ጥልቂ ማይ” ምቕዳሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጥልቂ ማይ” ምቕዳሕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/11 ገጽ 32

“ጥልቂ ማይ” ምቕዳሕ

ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ: ብዓል ኣእምሮ [“መስተውዓሊ ሰብ:” NW ] ግና ይቐድሖ” ብምባል ይገልጽ። (ምሳሌ 20:⁠5) ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ማይ ክትረክብ ከምቲ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ዘይኰነስ ኣዝዩ ኣድካሚ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ክዛረባ ኸሎ: ዳርጋ ካብቲ 23 ሜትሮ ዝዕምቈቱ ዔላ ያእቆብ ኢያ ትግልል ነይራ!​—⁠ዮሃንስ 4:⁠5-15

ምሳሌ 20:⁠5 ገሊጻቶ ኸም ዘላ: ልክዕ ከምቲ ካብ ዔላ ማይ ምቕዳሕ ጻዕሪ ዘድሊ ከምኡውን ነቲ ኣብ ልቢ ናይ ሰብ እተዓቝረ ዓሚቝ ሓሳባትን ስምዒታትን ንምፍላጥ ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ናብራ ሓቂ ኢዩ። ንኣብነት: ንሓያሎ ዓመታት ናይ ፍልጠትን ተመክሮን ሃብቲ ዝደለቡ ውልቀ⁠-​ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ከይተሓተቱ ምኽሪ ናይ ምሃብ ዝንባለ ዘይብሎም እንተድኣ ዀይኖም ከም ዝዛረቡ ክትገብሮም ከድልየካ ኢዩ። ተገዳስነት ብምርኣይ: ሕቶታት ብምሕታት: ሜላ ተጠቒምካ ብምርማርን ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሳንኬሎኻ ናብቲ ዓሚቝ ዔላ ናይ ጥበብ ተእቱ ኣሎኻ ማለት ኢዩ።

እቲ ኣብ ምሳሌ 20:⁠5 ዘሎ ምኽሪ ኣብ ስድራ ቤት እውን ዝውዕል ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ: ኣንስቲ “በዓል ቤተይ ስምዒታቱ ኣይገልጸለይን ኢዩ!” ኢለን ክዛረባ ይስምዓ ኢየን። ከምኡውን ሰብኣይ “በዓልቲ ቤተይ ገጽ ከሊኣትኒ!” ይብል ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት: ነቲ ኣብ ልቢ ናይ መርዓ ብጻይ ዘሎ ዓሚቝ ሓሳባት ንምቕዳሕ ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ። ጥበብ ዝመልኦ ሕቶታት (ሎሚ መዓልቲ ዘሸገረካ/ኪ ነገር ኣሎዶ፧ እንታይ ኣጋጢሙካ/ኪ፧ እንታይ ክሕግዘካ/ኪ፧) ነቲ ልቢ ንልቢ ዝግበር ናይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ መበገሲ ይኸውን ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ምስትውዓል ምርኣይ ነቲ ማእሰር መርዓ የደልድሎ ኢዩ: እዚ ድማ ንኽልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ዝጠቅም ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ