ኣብ ናይ መን መብጽዓታት ኢኻ ክትውከል እትኽእል፧
ኣብ 1893: ብዛዕባ ማሕበራዊ ጉዳይ ርእይቶ ዝህቡ 74 ሰባት ዝሓዘ ጕጅለ ክኢላታት: ናይ መጻኢ ኵነታት ክመያየጡ ኣብቲ ኣብ ቺካጐ ዝርከብ ዎርልድስ ፈይር ዝብሃል ናይ ምርኢት ቦታ ተኣከቡ። (እቲ እተኣከብሉ ቦታ ኣብ ላዕሊ ተሳኢሉ ኣሎ።) 100 ዓመት ኣቐዲሞም ናብ 1993 ብምጥማት ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ከምዚ ዝስዕብ ትንቢታት ነገሩ:- “ዕድመ ናይ ብዙሓት ሰባት 150 ክኸውን ኢዩ።” “እሱራት ክቕንሱ ኢዮም ከምኡውን ፍትሕ ከም ዘየድሊ ኰይኑ ክሕሰብ ኢዩ።” “እቲ ናይ ሓቂ ዕቤት ህዝቢ ኩሉ ግዜ ናብ ቅንዕና ከድህብ ስለ ዝዀነ እቲ እተሓላለኸ ፖለቲካዊ ሕግታት ኣዝዩ ቀሊል ክኸውን ኢዩ።”
ብተመሳሳሊ: ብ1967 ዘ ዪር 2000 ዘርእስቱ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ኣብ 2000 ዓመተ-ምሕረት ኮምፒዩተራት ንገለ ካብቲ ሰብኣዊ ናይ ምሕሳብ ክእለታት ምናልባትውን ካብቲ ንነገራት ናይ ምጽባቕን ናይ ምምሃዝን ክእለታት ከይተመዓራረዮ: ከይመሰሎ ወይ እውን ከይበለጾ ኣይተርፍን ኢዩ።” ከምኡውን “ኣብ 2000 ዓመተ-ምሕረት ዋጋ ናይቲ ዝበዝሐ ዕዮ ገዛ . . . ዝፍጽም ሮቦት እተመጣጠነ ክኸውን ኢዩ ዝብል ሓሳባት ዝያዳ ምኽንያታዊ ይመስል” ብምባል ተነብዩ ነይሩ።
እቲ ወድሰብ መጻኢ ፍጻመታት ኣቐዲሙ ክርኢ ዘይምኽኣሉ ምስቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ምርኣይ ክእለት ኣጸቢቑ ዝፈለለ ኢዩ። ንኣብነት: እዚ ኣብ ላዕሊ እተገለጸ ትንቢታት ምስቲ ብዛዕባ ግዜና ዝምልከት ዳርጋ ቅድሚ 20 ክፍለ-ዘበን ኣቢሉ መጽሓፍ ቅዱስ “ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመየቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: . . . መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ብምባል እተነበዮ ኣወዳድሮ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5
እዚ ን“ዳሕሮት መዓልትታት” ዝምልከት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ካብቶም ኣብ ግዜና እተፈጸሙ ብዙሓት ትንቢታት ሓደ ጥራይ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብቲ “ትእምርቲ” ናይ የሱስ ህላወ ዓለማዊ ውግእ: ጥሜት: ፌራ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከምኡውን ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝስበኽ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘጠቓልል ተነብዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 24:3-14፣ ሉቃስ 21:11
ክፍለ-ዘበናት ይገብር እቲ ዘይጋገ ልክዕነት መብጽዓታት ኣምላኽ ንሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ: . . . ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር: ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን” ኢሉ ክእውጅ ኣለዓዒልዎ ኢዩ።—እያሱ 23:14
እወ: ኵሉ እቲ ናይ ኣምላኽ መብጽዓታት ብቕልጡፍ ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መንግስቲ ኣምላኽ ንሕማም: ዓመጽ: ወልፊ ሓሽሽ: ጥሜት: ከምኡውን ንውግእ መወዳእታ ክትገብረሉ ኢያ: እወ ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ኢያ። (መዝሙር 37:10,11፣ ራእይ 21:3, 4) ኣብ ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ ክትውከል ትኽእል ኢኻ! እዚ ካብቲ “ዘይሕሱ” ፈጣሪና ዝመጽእ ኢዩ።—ቲቶስ 1:2፣ ምስ እብራውያን 6:13-19 ኣረኣእዮ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Cleveland State University Archive