ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዘሕልፍዎ ኣጸጋሚ እዋናት
ኣደይ ኦኒያን ሕጂ ጓል 68 ዓመት ኢየን: ኣብ ሓንቲ ዓባይ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሃገር ከኣ ይነብራ። ንእሽቶ ኸለዋ ንእዋን እርግናአን እፎይታ ረኺበን: ብደቀንን ደቂደቀንን ተኸቢበን እናኣስተማቐራ ከሕልፋኦ ትጽቢት ነበረን። ኣብ ክንድኡ ግን ንግዜአን ኣብ እዋን ትሮፒካዊ ጸሓይ ዝስተ ዝሑል ማይ እናሸጣ ኢየን ዘሕልፋኦ። እተን ዝረኽበአን ሒደት ገንዘብ ከኣ ንኽነብራ ይሕግዛአን። ክልተ ደቀን ካብአን ርሒቖም ኣብ ካልእ ሃገር ኢዮም ዝነብሩ። ገንዘብ ካብ ዘይሰዱለን ድማ ነዊሕ ግዜ ኰይኑ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብ ኣፍሪቃ: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዓቢ ክብሪ ኢዩ ዝዋሃቦም ነይሩ። ብተመክሮኦምን ፍልጠቶምን: ከምኡውን በቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብእኡ ዝርከብ ጥበብን ምስትውዓልን ክብሪ ይዋሃቦም ኢዩ ነይሩ። ንደቂ ደቆም ኣብ ምዕባይ ይሕግዙ ነበሩ። ብዕድመ ካብኦም ዝንእሱ ሰባት: ምኽሮምን ስምረቶምን ይደልዩ ነበሩ። ሰባት ብመሰረት እቲ “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ: ንገጽ ኣረጋዊ [ኣረጋዊት] ድማ ኣኽብር” ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም።—ዘሌዋውያን 19:32
ግዜ ተቐይሩ ኢዩ። ድኽነት: ውድቀት ገንዘብ: ስእነት ስራሕን ናብ ከተማታት ምስዳድን ንብዙሓት ኣረጋውያን ብዘይ ደገፍ ከም ዝነብሩ ገይርዎም ኢዩ። ካሚለስ ዌር: ዳይረክተር ናይ ሓንቲ ሄልፕ ኤጅ ኬንያ እተባህለት ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት እትድግፍ ትካል ከምዚ በለ:- “ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ናይ ምሕጋዝን ናይ ምሕላይን ባህሊ ብቐጻሊ እናደኸመ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።”
ርግጽ ኢዩ: እቲ ናይ ስድራቤት ምትእስሳር እናደኸመ ምኻዱ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ኣይኰነን ዝርአ ዘሎ። ጋርድያን ዊክሊ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ ጋዜጣ ብዛዕባ ጃፓን ክዛረብ ከሎ ከምዚ ዝብል ጸብጻብ ይህብ:- “እቲ ኣብ ናይ ጃፓናውያን ኣገባብ እምኒ ኵርናዕ ናይ ስነ-ምግባራዊ ወግዕታት ኰይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ናይ ውሉድ ተወፋይነት ካብ ኮንፉሺያኒዝም እተወርሰ ኰይኑ: ገጠር ናብ ከተማ ምስ ተቐየረ: ማእሰር ስድራቤት ድማ ምስ ላሕልሐ ግን እዚ ባህሪ እዚ ጠፊኡ ኢዩ:- ሎሚ ካብ ጃፓናውያን 85 ሚእታዊ ኣብ ሆስፒታል ወይ ከኣ ኣብ መእለይ ኣረጋውያን ይሞቱ።”
እቶም ብሓቂ ንኣምላኽ ከሐጕስዎ ዝደልዩ ሰባት: ኣብ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንወለዶም ከኽብሩ ኢዮም ዝጽዕሩ። ነቲ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር: ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ” ኢዩ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ይስዕብዎ ኢዮም። (ኤፌሶን 6:2, 3) ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለድኻ ምኽባርን ምሕላይን ኵሉ ግዜ እኳ ቀሊል እንተዘይኰነ: ብዙሕ ዓስቢ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ።