ናይ ኮኔክቲከት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንመሰል ሕሙም ደጊፉ
ናይ ኮኔክቲከት: ሕ.መ.ኣ.: ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ: 16 ሚያዝያ 1996 ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምትሕልላፍ ደም ንምእባይ ዘለዎም መሰል ደጊፉ። እዚ ውሳነ እዚ ንሓደ ኣቐድም ኣቢሉ እተመሓላለፈ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ብምንጻግ ኢዩ ተዋሂቡ።
ኣብ ነሓሰ 1994: ኔሊ ቬጋ እተባህለት ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዅሪ ቈልዓኣ ምስ ወለደት ብዙሕ ደም ክፈሳ ጀመረ። ነቲ መድመይቲ ደው ንምባል እተገብረ ጻዕርታት ውጽኢት ዘይብሉ ኰይኑ ተረኽበ። ናይ ወ/ሮ ቬጋ ኵነታት እናኸፍኣ ምስ ከደ: እቲ ሆስፒታል ምትሕልላፍ ደም ክግበር ስልጣን ዝህብ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ደለየ። ወ/ሮ ቬጋ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ እትጸንሓሉ እዋን: ደም ይኹን ናይ ደም ውጽኢታት ከይዋሃባ ዝነግር ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ሕክምናዊ ሰነድ ድሮ ፈሪማ ነበረት: እዚ ድማ ብሰንኪ ናታ ውሳነ ንዝስዕብ ነገር እቲ ሆስፒታል ብዝዀነ ይኹን ሓላፍነት ከም ዘይሕተት ዝገብሮ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቲ ሆስፒታል ንጥቕሚ ናይቲ ኣደ ተድልዮ ምዃና እተዛረበሉ ሓድሽ ውላድ ተባሂሉ ምትሕልላፍ ደም ብግዲ ክግበር ከም ዘለዎ ተኸራኸረ። እቲ ቤት ፍርዲ እውን ወ/ሮ ቬጋ ብዙሕ ደም እኳ እንተ ፈሰሳ ገና ንእሽቶ: ምሉእ ጥዕና ዘለዋ ሰበይቲ ኢያ ብምባል ምትሕልላፍ ደም ክግበር ተሰማምዐ። በዚ ኸምዚ ድማ: በዓል ቤት ወ/ሮ ቬጋን ጠበቓኣን እኳ እንተ ተቓወሙ: እቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ሃበ ምትሕልላፍ ደም ከኣ ተገብረ።
ድሕርዚ: እቲ ጕዳይ ናብ ናይ ኮኔክቲከት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀረበ። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ስጕምቲ ናይቲ ሆስፒታል ንመሰል ወ/ሮ ቬጋ ዝጥሕስ ምንባሩ ብምሉእ ድምጺ ወሰነ። እቲ እተሓላለፈ ውሳነ ከምዚ ይብል:- “እቲ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ወገን ክርክሩ ምሉእ ብምሉእ ንኸቕርብ ኣብ ዘይምችእ እዋን: ፍርቂ ለይቲ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ህጹጽ ዝዀነ ኵነታት ኣብ እተገብረ ናይ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ኢዩ ተሰሚዑ።”
እዚ ናይ ኮኔክቲከት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት እውን ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ወ/ሮ ቬጋ ጠበቓ: ዶነልድ ቲ. ሪድሊ “ንዅሎም እቶም ምስ ናይ ሓካይሞም ውሳነታት ዘይሰማምዑ ሕሙማት ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ ውሳነ: ሆስፒታላት ንሰብኣዊ ክብሪ ናይቲ ሕሙም: ሃይማኖታዊ ወይ ዓለማዊ ይኹን ብዘየገድስ: ንኸይዕብልላ ክኽልክለን ኢዩ” ይብል።