“ክቡር ዕንቍታት ቃል ሓቂ”
“ክቡር ዕንቍታት ቃል ሓቂ።” ናብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እተላእከት ሓንቲ ደብዳበ ንኽልተ ፍሉይ መጽሔታት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃላት ገይራ ገለጸቶም። እቲ ጸሓፊ: ሓደ መንእሰይ: ከምዚ ብምባል ድማ መብርሂ ይህብ:-
“ነቲ ብመጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣቢልኩም ንዅሉ መዳያት መዓልታዊ ህይወት ዝድህስስ ሓሳባት ንምሃብ እትገብርዎ ጻዕሪ: ዘሎኒ ልባዊ ምስጋና ንምግላጽ ኢየ ዝጽሕፈልኩም ዘለኹ።
“ወዲ 17 ዓመት ኢየ። ዝሓለፈ ዓመት እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ መደበር ሬድዮ ‘ፍቕሪ ካብ ጾታዊ ርክብ ንላዕሊ ኢዩ—አይድስ ብሓቂ ኣሎ’ ኣብ ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ እተመስረተ ናይ ጽሑፍ ውድድር ኣዳለወ። ነፍሲ ወከፍ ጽሑፍ ካብ ኣርባዕተ ሚእቲ ቃላት ዘይውሕድ ክኸውን ነበሮ። ነቲ ዝበለጸ ጽሑፍ ዝዋሃብ ሽልማት ድማ 1,000 ናይራ [$12.50 ናይ ኣመሪካ ዶላር] ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ኢዩ: ሰባት ነቲ ሽልማት ምእንቲ ክረኽቡ ጥራይ ዘይኰነስ ገለ ነገር ክማሃሩ ኢሎም ክጽሕፉ ከም ዘለዎም እቶም ኣዳለውቲ እቲ መደብ ተዛሪቦም ኢዮም። . . .
“ኣብ ክልቲኡ መጽሔታት ብዛዕባ አይድስ ዝገልጽ ሓበሬታ ረኸብኩ። ንፍቕሪ ዝምልከት ሓያለይ ዓንቀጻት ነበረ። ነቲ ኣብ ናይ 8 ነሓሰ 1978 ንቕሑ! ዘሎ ነጥብታት ድማ ተጠቐምክሉ።
“ካብቲ ጽሑፈይ ዝለኣኽክሉ ግዜ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ: እቲ ውጽኢት ተሓቲሙ ወጸ። እቲ ዝገረመኒ ድማ: ካብተን ክሮስ ሪቨር ከምኡውን ኣይበም ዝበሃላ ኣውራጃታት ቀዳማይ ኰንኩ!
“ኵሉ እቲ እተጠቐምኩሉ ሓበሬታ ካብተን መጽሔታት እተረኽበ ኢዩ። ኣብዛ ተሸጊራን ተባላሽያን ዘላ ዓለም የሆዋ እዋናዊ ዝዀነ ሓበሬታ ክህብና ብሓቂ ዘደንቕ ኢዩ። ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን: ፍቕሪ ካብ ጾታዊ ርክብ ንላዕሊ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና። ጽፉፍ: ስነ-ምግባራዊ ናብራ ምንባር ካብ ከም በዓል አይድስ ዝኣመሰለ ሕማማት ከም ዝከላኸለልና ድማ እተረጋገጸ ኢዩ።
“ነዚ ከይሰልከኹም እትሓትምዎ ዘሎኹም ክቡር ዕንቍታት ቃል ሓቂ: ከመስግነኩም ኢየ ዝድረኽ። ነዚ ክቡር መጽሔታት እዚ ብቐጻሊ ንምድላው ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ የሆዋ ይባርኽኩም።”