ንሓጢኣት ብኸመይ ኢኻ እትምልከቶ፧
“ኣባኻ ሓጢኣት የለን: ኣባኻ ጭንቂ የለን: ንስኻ ማዕከን ናይቲ ክኣሌ-ኵሉ ዝዀነ ሓይሊ ኢኻ።” እዚ ቓላት እዚ ቪቫካናንድ እተባህለ ውሩይ ናይ ሂንዱ ፈላስፋ ካብቲ ባጋቫድ ጊታ እተባህለ ናይ ሂንዱ ቅዱስ መጽሓፍ ሓደ ክፋል ክገልጽ ከሎ እተዛረቦ ኢዩ። ንቨይዳንታ ጠቒሱ “እቲ ዝዓበየ ጌጋ ጐደሎ ምዃንካ ማለት ሓጢኣተኛ ምዃንካ ምዝራብ ኢዩ” በለ።a
ይኹን እምበር: ኣብ ሰብ ሓጢኣት የሎን ዝበሃልሲ ሓቂ ድዩ፧ ብዛዕባ እቲ ሓደ ሰብ ክውለድ ከሎ ዝወርሶኸ ድኣ እንታይ ክበሃል ኢዩ፧ ኒኪላናንዳ እተባህለ ናይ ሂንዱ መምህር “ብዘርኢ ክውሰን ዝከኣል: ኣካላዊ መለለዪ ጠባያት” ጥራይ ኢዩ በለ። ካልእ ባህርያት ግን በቲ ሓደ ሰብ “ኣብ ናይ ቅድም ህይወቱ ዝገበሮ ተግባራት” ኢዩ ዝውሰን። ብመሰረት ቪቫካናንዳ “ናይ ዕድልካ ፈጣሪ ንስኻ ኢኻ።” ሂንዱዝም ብዛዕባ እተወርሰ ሓጢኣት ምንም ኣይምህርን ኢዩ።
እተወርሰ ሓጢኣት ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣመንቲ ዞሮኣስትሪያን: ሺንቶይስት: ኮንፍዩሺኒስት: ከምኡውን ቡዲስት ኣይርከብን ኢዩ። እተን ብልምዲ ብዛዕባ እተወርሰ ሓጢኣት ዝገልጽ ሰረተ-ትምህርቲ ዝምህራ ካብ ክልቲኡ ማለት ካብ ኣይሁድን ካብ ክርስትናን መበቆል ዘለወን ሃይማኖታትውን ከይተረፈ ንሓጢኣት ዝምልከት ኣመለኻኽታአን ይልወጥ ኢዩ ዘሎ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንገዛእ ርእሶም ሓጢኣተኛታት ከም ዝዀኑ ኣይሓስቡን ኢዮም።
ናይ ሃይማኖት ምሁር ኮርነልየስ ፕላንቲና ጀይ. ኣር. “ዘመናዊ ንቕሓት ስነ-ምግባራዊ ወቐሳ ኣየተባብዕን ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ንገዛእ ርእስኻ ምውቃስ ኣየተባብዕን ኢዩ” በለ። ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ-ክርስትያን ንትርጕም ሓጢኣት ምንኣስ ዝምልከት ብኸፊሉ ተወቀስቲ ኢየን። ናይ ዩኒቨርስቲ ድዩክ ቀሺ “ናብ ቤተ-ክርስትያን ምስ እትኸይድ ብዛዕባ ሓጢኣት ኣይትሰምዕን ኢኻ” በለ። ብመሰረት ፕላንቲና ኸኣ ገሊአን ኣብያተ-ክርትያን ብሓፈሻ ብዛዕባ ሓጢኣት ዝዛረባ ንማሕበራዊ ጕዳያት ኣብ ዝምልከት ጥራይ ኢየን።
ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ ማሕበራዊ ወዮታት ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ዓመጽ: ገበን: ውግእ: ዓሌታዊ ግርጭት: ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ሓሽሽ: ጥልመት: ጭቈና: ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ዓመጽ ምፍጻም ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ዘሎ። እኳ ድኣ: እዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: ሓደ ካብቶም ዝኸፍአ ምፍሳስ ደም እተኻየደሎም ወድሰብ ዝፈልጦም ክፍለ-ዘበናት ተባሂሉ ተጸዊዑ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እቲ ካብ ሕማምን እርጋንን ሞትን ዝመጽእ ቃንዛን ስቓይን እውን ኣሎ። ካብቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ ብዙሕ ግድላት ናጻ ክወጽእ ዘይናፍቕ እሞ መን ኣሎ፧
ብዛዕባ ሓጢኣት ዘሎካ ኣመለኻኽታ እምበኣር እንታይ ኢዩ፧ ሓጢኣት ተወሪሱ ድዩ፧ ካብ ቃንዛን ስቓይን ናጽነት ንረክብ ደዀን ንኸውን፧ እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ክትምልሰን ኢያ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ ቨይዳንታ ፍልስፍና ኣብቲ ቬዳስ እተባህለ መወዳእታ ናይ ሂንዱ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ኡባኒሻዳስ እተመስረተ ኢዩ።