ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ካብ ጽልዋ ኣጋንንቲ ሓራ ምዃን
ናይ ሓተታ መናፍስቲ ተግባራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንህይወት ናይ ሚልዮናት ሰባት ተቘጻጺሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓራ ኽትወጽእ ይከኣል ኢዩ! ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ኤፌሶን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ከምኡ ኢዩ ተጓኒፍዎም። ብመሰረት ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም አኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ። . . . ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔን።”—ግብሪ ሃዋርያት 19:19, 20
ብተመሳሳሊ ሎሚውን ክርስትያናዊት ጉባኤ ዕቤት ተርኢ ኣላ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣመንቲ ቅድሚ ሕጂ ኣጋንንቲ ዝነበሮም ሰባት ኣለዉ። እዛ እትስዕብ ናይ ዚምባብወ ተመክሮ ነዚ እተብርህ ኢያ።
ጎጎ (ኣደዓባይ) ምቱፓ በቲ ዝነበራ ናይ መናፍስቲ ሓይሊ ፍልጥቲ ኢያ ነይራ። ሰባት በቲ መፈወሲታታ ምእንቲ ክፍወሱ ካብ ዛምብያ: ቦትስዋና: ከምኡውን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣመሰለ ርሑቕ ቦታታት ከይተረፈ ይመጹ ነበሩ። ጎጎ ምቱፓ ካልኦት ና ’ንጋ: ወይ ከኣ ጠንቆልቲ ንክዀኑ እውን ትምህሮም ነበረት። ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ትስርይ ነበረት!
ሓደ ሰንበት ንግሆ: ኣብ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጎጎ ምቱፓ በጽሕዋ። ነቲ ምስኦም ብዛዕባ ካብ ኵሉ እኩይ ጽልዋታት ናጻ ዝዀነት ሓዳስ ጽድቃዊት ዓለም ዝነግር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ዝገበረቶ ምይይጥ ኣጸቢቓ ተሓጐሰትሉ። እታ ንዘለኣለም ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ምንባር ትኽእል ኢኻ እትብሃል መጽሓፍ ተቐበለት: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ከኣ ተሰማምዐት።a ሰለስተ ግዜ ጥራይ ድሕሪ ምጽንዓ: ኣኼባታት ክትካፈል ጀመረት።
ጎጎ ምቱፓ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽንዓ: እቲ ፍልይ ዝበለ ሓይሊ ካብቶም ኣንጻር ሉዓላውነት የሆዋ ዝዓለዉ እኩያት መንፈሳውያን ፍጡራት ይመጽእ ከም ዝነበረ ፈለጠት። (2 ጴጥሮስ 2:4፣ ይሁዳ 6) እዞም ኣጋንንቲ እዚኣቶም ብዝከኣሎም መጠን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣንጻር የሆዋን ኣንጻር ንጹህ ኣምልኾን ክኸውን ከም ዝደልይዎ እውን ፈለጠት። ናብርኣ በዞም ኣጋንንቲ እዚኦም ገይራ ኣብ እትገብሮ ምስራይ እተመርኰሰ ስለ ዝነበረ: እንታይ ክትገብር ነበራ፧
ጎጎ ምቱፓ ንዅሉ እቲ ክታባታን ናይ ሓተታ መናፍስቲ ኣቝሑታን ከተልግሶ ድሌት ከም ዘለዋ ገለጸት። እዚ ኸኣ ናይ ና ’ንጋ ምፍዋስ ክትገብር ከላ እትጥቀመሉ ዝነበረት ፍሉይ ናይ ርእሳ መሸፈንን: “ዝዛረብ ቀርኒ ብዕራይን” ዘጣመረ ኢዩ። ጎጎ ምቱፓ ነቲ እንኮ ሓቀኛን ህያውን ዝዀነ ኣምላኽ የሆዋ ከተገልግል ምእንቲ ክትክእል: ነዚ ከምዚ ዝበለ ኵሉ ኣቑሑት ከተልግሶ ደለየት።
እንተዀነ ግን: ብገንዘብ ትሕግዞም ስለ ዝነበረት ገሊኦም ኣዝማዳ ተቓወምዋ። መኽሰብ ምርካብ ክቕጽሉ ምእንቲ: እቲ ኣቑሑትን እቲ ምስጢራዊ ሓይልታታን ንዕኦም ክትህቦም ለመንዋ። ጎጎ ምቱፓ ግን ኣበየቶም።
ብሓገዝ ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሰለስተ ዓቢ ሳንጣ ናይ ሓተታ መናፍስቲ ኣቕሑት ኣከበት: ብምሉኡ ኸኣ ኣንደደቶ። እቲ ናይ ኣምልኾ ኣጋንንቲ ኣቑሑታ ብሃልሃልታ ክቃጸል ከሎ ጎጎ ምቱፓ “ርኣይዎ እቲ ቀርኒ ! ገዛእ ርእሱ ከድሕን ኣይከኣለን” በለት።
ድሕሪ ገለ ግዜ: ጎጎ ምቱፓ ህይወታ ንየሆዋ ከም ዝወፈየት ተሓጒሳ ብማይ ጥምቀት ኣርኣየት። ሕጂ ብኸመይ ትነብር ኣላ፧ ኣሕምልቲ ብምሻጥ። እወ: ብሓይሊ ቃል ኣምላኽ: ሓደ ሰብ ካብ ኣምልኾ ኣጋንንቲ ሓራ ክወጽእ ይኽእል ኢዩ። ጎጎ ምቱፓ ከምዚ ትብል:- “ከምዚ ዝበለ ሓርነት ፈጺሙ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን።”
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።